ቁፅሪ ፋ/ም/ሃ/ 27/ግ-ጨ/10 ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቑፅሪ 10/2017 ዓ/ም
ዕለት 04/09/2017 ዓ/ም
ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ካብ መደበኛን HCO/PF/ ሴፍትኔት በጀት ናይ ፅሕፈት መሰርሕን ናይ መኪና ጎማን መለዋወጢ ኣቑሑትን ንምግዛእ ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ንምግዛእ/ንምሕታም ብምድብ/OT/ መቒሉ ማለት እውን፡-
ምድብ-1/LOT- 1 ናይ ፅሕፈት መሰርሒ ኣቑሑት፣
ምድብ-2/LOT-2 ፡ ናይ መኪና ጎማን መለዋወጢ ኣቑሑት ክገዝእ ይደሊ፡:ስለዚ
1. በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣ ናይ ግብሪ ከፉላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣
2. ንተወሳኪ እሴት ታክሲ / VAT ዝተመዝገበ፣ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ መጋቢት/2017 ዓ.ም VAT ድክላሬሽን ኮፒ ከቅርብ ዝኸእል፣
3. በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑን ናይ ዘመኑ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣
4. ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑትን ናይ መኪና መለዋወጢ /ጎማ/ ኣቑሑት ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ Is‛ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ እስፔስፍኬሽን መሰረት ከቅርብ ዝኽእል ፣
5. ተጫራቲ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ኦርጅናልን ሓደ ኮፒን ነንበይኑ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ከቅርብ ዝኸእል፣
6. ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ፣ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ፣ ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ፣
7. ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታ LOT-1,LOT-2 ንዘለዉ ዝርዝር ንብረታት LOT- 1,LOT-2 ንሕድ ሕድ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100.00/ ሓደ ሚዒቲ ቅርሺ ጥራሕ/ እናኸፈልኩም ካብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ዳ/ዳሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 2-19 /2-01 ካብ 04/09/2017 ዓ/ም ክሳብ 18/09/2017 ዓ/ም ስዓት 10፡30 ኣብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይክእል፣
8. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ሰነድ ጨረታ ንLOT-1 ብር 20,000.00/ ዒስራ ሽሕ ብር ጥራሕ/ ንLOT- 2 ብር 15,000.00/ ኣሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ጥራሕ/ ብሽም ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን /Bureau of finance & Resource Coordination/ ብCPO ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ውይ ድማ ብጥረ-ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል፣
9. እቲ ጨረታ ዕለት 19/07/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3፡30 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 4፡00 ቅ/ሰዓት ኣብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ዕደጋ ፉይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 2-19 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት፡፡
10. ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ።
11. እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ/ክውስክ/ ይክእል እዩ፡
12. ሰዓራይ እቲ ናይ ዕሕፈት ማሳርሒ ኣቑሑት ብኮሚቴ ናይ መኪና /ጎማ/ መለዋወጢ ኣቑሑት ድማ ብኤንስፔክተር /መዓል ሙያ መካኒክ/ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምሰተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸውን፡፡
13. ንዝበለፀ ሓበሬታ ሞባይል ቑፅሪ 0914775963/0914136662 ደዊልካ ምሕታት ዝካኣል ምዃኑ ንሕብር ፡ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ክልል ትግራይ
ምስ ሰላምታ