ቤት ማዛጋጃ ከተማ መቐለ

ምልክታ ሊዝ ጨረታ መሬት

1. ዙር ጨረታ 72

2. ዓይነት ጨረታ፡- መደበኛ

3. ቤ/ፅ/ኣ/ምሕደራን መሬት ከተማ መቐለ ናይ ከተማ ቦታ ብሊዝ ንምትሕልላፍ ብዝተቐመጠ አዋጅ ቑፅሪ 721/2004 አንቀፅ 8 ንኡስ አንቀፅ 1 ኣብ ፊደል ተራ ቑፅሪ ካብ ሆ ክሳብ '' ብዝተዘርዘረ መሰረት ንዝተፈላለዩ ግልጋሎታት ንመንበርን፣ንግድን ሆቴልን ኣፀደ ህፃናትን ጠቕላላ 158 ዝተዳለወ ቦታታት ብግልፂ ጨረታ ንተጫረቲ ንምትሕልላፍ ይደሊ፡፡

ስለዚ መሬት ብሊዝ ጨረታ ንምርካብ ንምውድዳር ዝደሊ ሰብ ካብ ዕለት 05/09/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ! ኣብ eUBAS ሲስተም ናይ ተጠቃምነት ኣካውንት ንምፍጣር ፤ ዘይምለስ ብር ንመንበርን ኣፀደ ህፃናትን ትወዳደሩ ብር 3500.00 (ሰለስተ ሽሕ ሓሙሽተ ሚኢትን ቅርሺ) ከምእውን ንንግድን ሆቴልን ትወዳደሩ ብር / 4000.00 (ኣርባዕተ ሽሕ ቅርሺ) ብምኽፋል ኣብ ከተማ መቐለ መዘጋጃቤታዊ እቶት ኣብ ስራሕ ሰዓት ክፍሊት ካርዲ ደረሰኝ ምቑራዕ ዝከኣል ምዃኑ ነፍልጥ።

4. ናይ ክፍሊት ካርዲ/ደረሰኝ መረፃ ግዜ ፡ ካብ ዕለት 050/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 18/09/2017 ዓ/ም ቕድሚ ሰዓት 0 ሰዓት ጥራሕ ይኸውን፣

5. ጨረታ ናብ (eLBAS System) ምእታው ዝዕፀወሉ ዕለት 18/09/2017 ዓ/ም ሰዓት 11፡00 ይኸውን፣

6. ጨረታ ብ(eLBAS System) ናይ ምንባብ ስነ ስርዓት ዝካየደሉ ዕለት 19/09/2017 ዓ/ም ኣብ ኣ/ም/መ/ከ/መቐለ ኣዳራሽ ተጫረቲ/ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉዎ ንጎሆ ሰዓት 03፡00 ይኸውን፤

7. ናይ መወዳእታ ውፂኢት ዝጥቀዐሉ ዕለት 25/09/2017 ዓ/ም ንጎሆ ሰዓት 03፡00 ይኸውን፤

8. ናይ ጨረታ ዝርዝር መረዳእታ ኣብ ናይ ሓሙሽቲአን 5 ክፍለ ከተማታት መጠቅዒ ሰሌዳን ኣብ መርበብ ሓበሬታ http://www.tigraitv.com - ኣብ facebook-page" Facobook.com/dmtsiweyane ወይ ኣብ “Mekelle city communication affairs ምርኣይ ይክኣል::

9. ቤት ፅሕፈትና እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋሉ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።