ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት መዘጋጃቤት ከተማ መቐለ ናይ ሴፍትኔት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤሌክትሮኒክስ ፕሮፎርማ / ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ :: ስለዚ ኣብዚ ግሮፎር | ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት ክትወዳደሩ እትደልዩ በዚ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ተወዳደርቲ ካብዚ ብምምላእ ንኽትወዳደሩ ንዕድም።
ዝርዝር ተደለይቲ ረቓሒታት
1. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ፣ዝተሓደሰ መቅረባይነት ፣ ቲን ቁፅሪ ድማ ኣተሓሕዝ ዝኸእል ።
2. ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 22/08/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 29/08/2016 ዓ/ም 4:00 ዝፀንሕ ኮይኑ ሰዓት 4፡30 ይኽፈት::
2. ተወዳደርቲ ኣብ ዘቅርብዎ ሰነድ ጨረታ ናይ ተወዳዳራይ ስም ፣ ፌርማ ፣ ማዑተምን ኣድራሽምን ብምዕራፍን ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ኣለዎ ።
3. ሰዓራይ ትካል አሸናፊ ኮይኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 03 መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንብረት ክፍሊት ኣታዊ ክገብር ኣለዎ ።
4. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐለ እዋን እዚ ፕሮፎርማ ምስ ተኸፈተ ን7' ተኸታተልቲ መዓልቲታት ዝፀንሕ ይኸውን።
5. እዚ ሰነድ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ከይኑ የገልግል ።
6. ኣብ ከይዲ ጨረታ(ፕሮፎርማ) ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተወዳደርቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ብምግባርን ንቐፃሊ ድማ ኣብ ዕደጋ መንግስቲ ንኸይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዝበፅሕ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል እዩ ።
7. ተወዳደርቲ ዝበለፀ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ብምምፃእ ምሕታት ይከኣል እዩ ።
8. ነዚ ሰነድ መግዝኢ ብር 100.00 (ሓደ ሚኢቲ) ጥራሕ ከምእዉን ናይ ፕሪፎርማ | መከበሪ ሲፒኦ 10,000 (ዓስርተ ሽሕ ቅርሺ) ከትሕዙ ዝክእሉ።
| ሪጋ | ዝርዝር ዓይነት ንብረት | ድሌት መግለፂ | መለከዒ | በዝሒ | ናይ ሓደ ዋጋ | ጠቅላላ ዋጋ | ||
|---|---|---|---|---|---|---|---|---|
| ብር | ሳን | ብር | ሳን | |||||
| 1 | ቢመር | ብስፔስፊኬሽን መሰረት | ቁፅሪ | 01 | ||||
| 2 | ፕሪንተር | ብስፔስፊኪሽን መሰረት | ቁፅሪ | 01 | ||||
| 3 | ታብሌት | ብስፔስፊኬሽን መሰረት | ቁፅሪ | 03 | ||||
| 4 | ታብሌት | ብስፔስፊኬሽን መሰረት | ቁፅሪ | 02 | ||||