ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ

ቁፅሪ ዕፉን/ም /15/ 420 /2017 ዓ/ም

ዕለት 20/08/2017 9/9

ምልክታ ፕሮፎርማ ቁፅሪ 16/2017 ናይ በዓል ሞያ ውድድር ይምልከት

ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ ንናይ ክዳን ሳሙና ፣ ናይ ኢድ ሳሙና ፣ ናይ ኣቁሑት ሳሙና ዝስልጥና  መሰልጠንቲ ትካላት ምስ ሙሉእ ናውቶም ኣማሊኦም ከሰልጥኑ ዝክእሉ ትካላት ብፕሮፎርማ አወዳድርካ ኩሉ ወፃኢታት ሸፊኑ ከሰልጥን ዝክእል ትካል ክነወዳድር ንደሊ ንደሊ:: ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ጨረታ ክትወዳደሩ እትኽእሉ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ በቲ ኣብ ታሕቲ ዝተገለፀ ረቛሒ መሰረት ንክትወዳደሩ ብክብሪ ንዕድም ፣ እዚ ፕሮፎርማ ድማ ኣብ ትልሚ ዘይተትሓዘን ግዜ ስለ ዘይህብን ስለ ዝኾነ ዝወፅኣ እዩ፡-

1. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም

2. ናይ ግብሪ ክፋላይነት ቲን ከምኡ ውን ዝተሓደሰ መቅረባይነት ናይ 2017 ዓ/ም ከቅርብ ዝክእል ይኸውን

3. ትወዳደሩ ትካላት ኩሉ ኣቁሑታትን ካብ ባዕሎም ፣ ኣብ ናይ ባዕሎም ቦታን መሰልጠንቲ ድማ ባዕሉ እቲ ትካል

4. ናይዚ ፕሮፎርማ ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም እዋን ጀሚርኩም ኣብ ውሽጢ ዝተወሃበኩም መዓልቲ ኣብ ስራሕ ክተቅርቡን ።

5. ነጋዶ ናይ መወዳደሪ ደኩሜንትኹም ናይቲ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒን ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ዝተዓሸገ ፖስታ ንቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ ዳይርክትሮት ዕደጋፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 333 ካብ 21/08/2017 ዓ/ም ክሳብ 23/08/2017 ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 11፡30 ኣብ ዘሎ ግዜ ዋጋ መሊኢኩም ክተቕርቡ እትኽእሉን ብድሕሪኡ ዝመፅኣ ፖስታ ዘይንቅበል ምዃና ንሕብር ።

6. ፕሮፎርማ ዝክፈተሉ ዕለት ቀፂሉ ይክፈት ናይ ስራሕ መዓልቲ 24/08/2012 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ናይ ንጉሆ ይከውን

7. ናይቲ ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዋጋ ልዕሊ 20000.00/ዒስራ ሽሕ ብር/እንተኾይኑ ሻት ዝተመዝገብኩም ሻት 7.5 % ኣብቲ ቢሮ ተቖሪፁ ዝተርፍ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ ።

8. ተወዳደርቲ ዘቕረብዎ መወዳደሪ ደኩሜንት ከም ውዕሊ ኮይኑ ከም ዘገልግልን ኮይኑ ሰዓራይ ምዃንኩም/ን

ምስተ ፈለጠን ደብዳቤ ምስ በፅሓኩም ኣየቅርብን ምባል ተቀባልነት የብሉን ።

9. ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ ።

10. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-4403447 ደዊሎም ክሓቱ ይኽእሉ ።