1 በቲ ዓወድ ስራሕ ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘቅርብ
2 ናይ 2017 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘይሐደሱ ካብቲ ዉድድር ወፃኢ ይኮኑ
3ተጫረቲ ዘቅርብዎ ዋጋ ቫት ዝሐወሰ ወይ ድማ ዝይሐወሰ ምካኑ ብግልፂ ክቅመጥ አለዎ እዚ እንድሕር ዘይተገሊፁ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝሐወሰ ተገይሩ ይዉሰድ
4 ተጨረቲ ዋጋ እንትመልኡ ትካልና ኣብ ዝሃቦም መምልኢ ቅጥዒ ጥራሕ ክመልእ አለዎም ካብዚ ወፃኢ ኣብ ናይ ባዕሎም ፕሮፈርማ ዋጋ መሊኡም እንተቅሪቦም ካብቲ ጨረታይስርዙ
5 ተጫረቲ ዋጋ እንትመልኡ ስርዝ ድልዝ ክህልዉ የብሉን ስርዝ ድልዝ እንተሃለዩ ካብቲ ጨረታ ይስረዙ
6 ኣብ ሞንጎ ጠቅላላ ዋጋን ነፀላ ዋጋን አፈላላይ እንተሃለዩ እቲ ነፀላ ዋጋ ትክክለኛ ተገይሩ ዝዉሰድ ምካኑ ተጫረቲ ክፈልጡ አለዎም
7 ተጫረቲ መከበቲ ጨረታ ናይቲ ዘቅረብዎ ጠቅላላ ዋጋ 2 ሚእታዊ ብስም ትራንስ ኢትዩጰያ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ዝተዳለወ ስፒኦ ከትሕዙ አለዎም
9 ጠቅላላ ዋጋ ማለት ተወሳከ እሴት ታክስ ዝሐወሰ ምካኑ ክፍልጡ አለዎም
10 እቲ ዝቀርብ ስፒኦ ንበይኑ ተዓሺጉ ክቀርብ አለዎ ስፒኦ ዘይቀረብ ማለት ድማ በቲ ዝተጠቀሰ መጠን ዘየትሓዘ ተጫራቲ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይግበር
11 ሰነድ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ 06/9/2017 ዓም ንጉሆ ሰዓት 330 ኣብ ዳይሬክቶሪት ዕደጋን ምትእስሳር መቅረብትን ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ፋይንሻልን ፕሮፖዛል ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ከቅርቡ አለዎም
12 እቲ ሳንዱቅ ጨረታ 06/9/2017 ዓም ንጉሆ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ዳይሬክቶሪት ዕደጋን ምትእስሳር መቅረብትን ይከፈት
13 ተጫረቲ ዝሰዓሮ ዋጋ አብ መቀለ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት መክዝን ማለት እስቶር ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ከቅርቡ አለዎም
14 ኣብዚ ጨረታ ዝሰዓተፉ እቲ አቅሓ ኣብ ስቶክ ዘለዎም ክከዉን አለዎ ወይድማ ዉዕሊ ምስተኣሰረ እቲ ኣቅሓ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ መዓልቲ ከቅርቡ አለዎም
15 ተጫረቲ ኣብ ናይ ዳርሬክተር ዕድጋን ምትእስሳር ኣቅርቦት ቢሮ ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ክወስ ይግባእ
16 እቲ ሰነድ ጨረታ በቲ አብ ምልክታ ዝተጠቀሰ ዝቀረበ እንተኮይኑ ተጫረቲ ኣብዘይተረከብሉ እዉን ይክፈት
17 ተጫረቲ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝተቀመጡ ነጥብታት ብኣግባቡ ተረዲኦም ሰነድ ጨረታ ክመልኡ አለዎም
18 እቲ ትካል ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344416439 / 0914007732