ምልክታ ፕሮፎርማ
ቤት ፅ/ት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ንትካልና ሰራተኛታት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ጥራሕ ሰርቪስ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ መካይ ክራይ በዚ ፕሮፎርማ ኣወዳዲርና ውዕሊ ንምእሳር ስለዝደለና ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም::
| ተ.ቁ | መግለፀ | መዐቀኒ | በዝሒ መዓልቲ | ናይ ሓደ መዓልቲ ዋጋ |
|---|---|---|---|---|
| 1 | ዝሰማረየሉ ቦታታት በዓል 12 ወንበር - ናይ ንጉሆ ሰራሕተኛ ናብ ቢሮ ብሰዓትካ ክሳብ 2:30 ሰኣት ኣብ ዘሎ ምእታው - ኣብ ምሳሕ ሰዓት ናብ ገዛ ምውሳድ 6:30 - ካብ ምሳሕ ሰዓት ካብ ገዛ ናብ ቢሮ ምምላስ 8:00 - ናይ ምሽት ድሕሪ ስራሕ 11:30 ናብ ገዛ ምብፃሕ ❖ ካብ ቤት ፅፈትና ናብ 05 ታክሲ መጨረሻ 06 ላጪ ሓድሽ መንደር ታክሲ መጨረሻ | ብቁፅሪ | 1 | |
| 2 | ዝሰማረየሉ ቦታታት በዓል 15 ወንበር - ናይ ንጉሆ ሰራሕተኛ ናብ ቢሮ ብሰዓትካ ክሳብ 2:30 ሰኣት ኣብ ዘሎ ምእታው - ኣብ ምሳሕ ሰዓት ናብ ገዛ ምውሳድ 6:30 - ካብ ምሳሕ ሰዓት ካብ ገዛ ናብ ቢሮ ምምላስ 8:00 - ናይ ምሽት ድሕሪ ስራሕ 11:30 ናብ ገዛ ምብፃሕ ❖ 17 መወዳእታ ታክሲ ዳያስፖራ ዕዳጋ ፈሓም ግእዝ ሆቴል፤ ቨተርነሪ ግቢ፡ 70ካሬ ቀላሚኖ መስመር፡ 70 ካሬ ማደያ ታሕተዋይ አስፋልት ዋይት ሃውስ፤ 70 ካሬ ማእከል 22 ቀልቀል ደብሪ፡ ማጂክ ቤት/ት ድልድልን ናብ ቢሮ | ብቁፅሪ | 1 |
መተሓሳሰቢ - ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ
1. ማህተም ዝዓረፎ ፖስታ
2. ፕሮፎርማ ዝቀርበሉ እቲ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 09/08/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 14/08/2017 ዓ.ም ሰዓት 11፡30
3. ተወዳደርቲ በቲ ዘርፊ ዝተሳማረዩ ፣ ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈሉ ንግዲ ፍቃድ ዝሓደሱ ፡ ቲን ቁፅሪን መረዳእታ ከቕርቡ ኣለዎም።
4. ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት 15/08/2017ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ጀሚሩ
5. እዚ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኮይኖ የገልግል
6. ካብቲ ዘዳለናዮ ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ ፈፂሙ ተቀባልነት የብሉን።
7. ቤት ፅ/ትና ነቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰል ኣለዎ።
8. ናይ ነዳድን ናይ ሽፌርን ብናይ በዓሉ ክሽፍን ዝኸእል
9. ሰዓራይ ምካኑ ምስ ፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 2' መዓልቲ ውዕሊ ምስ ኣሰረ በብወርሒ በቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ተራቢሑ ይክፈሎ
10. ናይዚ ፕሮፎርማ ዝርዝር ዝሓዘ ፎርሚ ካብ ቤት ፅ/ትና ጉዳያት ኮሙኒኬሽን እናመፃኩም ምውሳድን ንኡ ኣብ ዝተዳለ ወሳንዱቅ ምእታው ዝከኣል እንትከውን ቢሮና ዝርከበሉ ቦታ ድማ ፊት ለፊት ኣግኣዚ ባንክ ጎኒ ዘዩርዳኖስ ሆቴል
ንዝበለፀ ሓበሬታ ስልኪ ቑፅሪ 0344409343 ወይ 0914734003 /0914731547 ደዊልኩም ምሕታትይከኣል።