ማእኸላይ ቤት ፍርዲ መቐለ

ም ል ክ ታ

ኣፈ/ኸሰስቲ፦ እኒ ኣብርሃ ሰብሆ

ኣፈ/ተኸሳሲ፦ ኣይተ ሙሉ ሃይለማርያም

ሞንጎ ብዘሎ ኣፈፃፀም ኽርክር ብሽም ኣፈ/ተኸሳሲ ተመዝጊቡ ኣብ ከተማ ዓዲ ጉደም ዝርከብ ስፍሓቱ 6,580 ሜትር ካሬ መዋሰኒኡ፦ ብሰሜንን ደቡቡን መንገዲ ብምብራቕ ፦ ዘርኡ ገብረሊባኖስ፣ ብምዕራብ-ፕሎት፣ጥቓ ወይ ጎኒ ዳ ጋብር ቤተክርስትያን ዝርከብ ኾይኑ ብመበገሲ ዋጋ ብር 6,870,160 (ሽዱሽተ ሚልዮንን ሸሞንተ ሚኢትን ሰብዓን ሽሕን ሓደ ሚኢትን ሱሳን) ብግልፂ ጨረታ ክሽየጥ ስለዝተደለየ፣ ጨረታ ሰዓራይ ናይቲ ዝሰዓሮ 25% ሽዑ ንሽዑ ወድያውኑ ዝኸፍል፣ዝተረፈ 75% ድማ ኣብ ውሽጢ 15መዓልቲ ዝኸፍል፣ሕሉፍ ዕዳ ንኣፈ/ተኸሳሲ ዝምልከት ኾይኑ ናይ ሽም መዛወሪ ብጨረታ ሰዓራይ ዝሽፈን ምዃኑ ፈሊጥኹም ክጫረት ዝደሊ ኣብቲ ገዛን ቦታን ዝርከበሉ ጨረታ ንዕለት 06/09/2017ዓ/ም ካብ ሰዓት 4፡00-7፡00 ንኽካየድ ብከተማ መቐለ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ስለዝተኣዘዘ ክጫረት ዝደሊ ንኽጫረት ፃውዒት ቐሪቡ ኣሎ።