መስፍን ኢንዱስትሪያል ኢንጂነሪንግ

ምልክታ ጨረታ

ትካልና መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ኣብ መሰቦ ስሚንቶ ፋብሪካ ዋና ቢሮ ዝሰራሕ ናይ አለሙኔም ስራሕቲ ብቕሉዕ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ በቲ ስራሕ ብቕዓት ፍቓድን ዘለኩም መቕረብትን ሰራሕትን ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መዐቀኒታት ተማልኡ ተወዳዳርቲ ክትሳተፉ ኩባንያና ይዕድም ::

S/NTask DescriptionRemark
1Suypply & Fix Aluminum Doors & Windows, Aluminum Cladding, Aluminum Handrail, 4mm thick clear glass & 5mm thick colored/tinted glass inciuding all necessary accessories.As per the Attached BOQ & Specifications

ናይ ጨረታ ረቛሒን ኩነታትን

1. ናይ'ዚ ጨረታ ተሳታፊ ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ከቕርብ ዝኸእል::

2. ተጫረቲ ዝተሓደሰ ንግድ ፈቃድ፣ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት፣ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ምስክር ወረቐትን ተወሳኺ እሴት ታክስ፣ናይ መወዳእታ ወርሒ ቫት ዝክፈልሉ ሰነዳት ዝምለስ ኦርጅናልን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምትሕሓዝ ብር 100.00(ብር ሓደ ሚኢቲ) ብምክፋል ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 02/04/2025-16/04/2025 ብኣቆፃፅራ ኣዉሮፓ ኩሉ ጊዜ ብስራሕ ሰዓት መቐለ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ዕደጋ መምርሒ ክወስዱ ይኸእሉ፡፡

3. ተረቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ብምምላእ ኣብ ሕድሕድ እቲ ጨረታ ሰነድ ማሕተምን ፊርማን ክዓርፎ ብምግባር እዚ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 02/04/2025-16/04/2025 ብኣቆፃፅራ ኣዉሮፓ ክሳብ ስዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ አብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት ነዚ ተብሂሉ ዝተዳለወ ሳፁን ክእትው አለዎም፡፡

4. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ሲፒኦ (CPO) ብር 170,000.00 (ብር ሓደ ሚኢትን ሰብዓን ሽሕ) ንበይኑ ብስምዒ ዝተኣሸገ ፖስታ ምስ ጨረታ ከእትው ይግባእ፡፡ ጥረ ገንዘብን ብፖስታ ዘይተዓሸገ CPO ከምኡ'ውን ካሊእ ዓይነት ጨረታ መኸበሪ ተቐባልነት የብሉን፡፡

5. እዚ ጨረታ ስዓት 8:00 ተዓዕዩ አብቲ ጨረታ ዝተዓፀወሉ ዕለት ሰዓት 8:30 ናይ ድሕሪ ቐትሪ ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውዎ ይኽፈት፡፡

6. ተጫረቲ ናይዚ ስራሕ ናይ መዛዘምን መረከቢ ግዜ አብ ውሽጢ 30 ተክታተልቲ መዓልቲታት ዝርከብ ምዃኑን እቲ መዓልቲ ስራሕ ንምጅማር ዝኣትውሉን ስራሕ ወዲኦም ዝወፅሉ ግዜ ዘካትት እዩ፡፡

7. ተጫረቲ አብ ዘእተውዎ ዋጋ ንዝፍጠር ናይ ድምር ስሕተት (Arithmetic error) ካብ ጨረታ ወፃኢ ይኸውን፡፡

8. ተጫረቲ ኣብ ናይ ካሊእ ተጫራታይ ዋጋ ተደሪኾም ዋጋ ምእታው አይካአልን። ከምኡ'ውን ተጫሪቶም ዝሳዓርዎ ስራሕ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ብሳብ ኮንትራክት ብሳልሳይ ወገን ምስራሕ ኣይካኣልን፡፡

9. ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ምዃኑ ክጠቕሱ ይግባእ፡፡ እንተዘይ ተጠቒሱ ግና እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ከም ዝሓወሰ ተገይሩ ይሕሰብ፡፡

10. ሰዓሪ ተጫራቲ ምስዓሮም ካብ ዝተነገሮም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 2ተ መዓልቲ ዉዕሊ ብምእሳር ንጠቕላላ ዋጋ 10% ባንክ ዉሕስና (Unconditional bank Guarantee) ከትሕዙ ኣለዎም፡፡ እንተዘይኮኑ ግን ንጨረታ መኸበሪ ዘትሐዞዎ(CPO) ንትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካል ካሊእ መማረፂ ይወሰድ ፡፡

11. ሰዓሪ ተጫራቲ ጨረታ ሲዒሮም ዉዕሊ ምስ ኣሰሩ በቲ ዉዕሊ ዝኣሰርዎ ናይ መረከቢ ግዘ እቲ ስራሕ ክርከቡ እንተዘይኪኢሎም እቲ ዘትሐዝዎ 10% ዉዕሊ መኽበሪ ጋራንቲ ናብ ትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካል ካልእ መማረፂ ይወስድ።

12. ተጫረቲ ቅድሚ ዋጋ ምእታዎም እቲ ስራሕ አብ ዝርከበሉ ቦታ መሰቦ ስሚንቶ ፋብሪካ ሳይት(Site visit) ብኣካል ብምኻል ክሪኡ አለዎም፡፡

13. ትካልና እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

አድራሻ

ንዝበለፀ ሓበሬታ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ስልኪ ቁዕርታት ምጥያቅ ይካአል

ስልክ 0914734116