ምልክታ ፕሮፎርማ

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣብ ቢሮ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዘገልገሉ ንብረታት ክሽይጥ ስለዝደለየ ክትገዝኡ ትደልዩ ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1. ናይ 2017 ግብሪ ዝኸፈሉን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ናይ መቕረባይ መፍለይ ቁፅሪ /Tin number/ን፣ ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቐት መረጋገፂ ዘቕርብ፡፡

2. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ዝርዝር ካብ ዕለት 17/07/2017ዓ.ም ጀሚሩ እናመፃእኹም ካብ ቢሮ ቁፅሪ 110 ምውሳድ ይካኣል፡፡

3. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 22/07/2017 ስዓት 03፡30 ሰዓት ናይ ንጉሆ ኣታዊ ኾይኑ ይዕሸግ፡፡

4. ፕሮፎርማ ዝኽፈተሉ ዕለት 22/07/2017 ስዓት 4፡00 ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 109 ይኸውን፡፡

5. እዚ ፕሮፎርማ ኣብ መንጎ ግዝኢት ፈፃሚ ኣካልን መቕረባይን ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል።

6. ነቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ክወስድ /ከልእል/ ዝኽእል።

7. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

8. ተጫረቲ ሰነድኹም ንጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ንክተእትዉ ንሕብር።

9. ኣድራሻና ከባቢ ጥዕና ጣብያ መቐለ ፊትንፊት ፎቶደስታ ዝርከብ ህንፃ ኣብርሃም ደስታ ቀደማይ ደብሪ እዩ፡፡

10. ተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 09-14-76-94-50 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል፡፡