ቑፅሪ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር/725/0-01 

ዕለት 12/07/2017ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ ቑፅሪ 09/2017 ዓ/ም

መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ንስልጠና ዝውዕል ናይ ምንፃፍ እምኒ (ኮብል ስቶን ) ናይ ትራንስፖርት መጓዓዓዚ ዋጋን ክሬሽ / ፀፀር / 00 ዓቕን ምስ ትራንስፖርቱን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ከጫርት ይደሊ።

እቲ ኮብል ስቶን ዝርከበሉ ቦታ

1. ካብ ወረዳ እንደርታ ጣቢያ ድድባ ቁሽት ኢልክን ( ዝባን ልቕቶ)

2. ካብ ወረዳ እንደርታ ጣቢያ ፈለገ ማያት ኮይኑ ካብዞም 2 ̊ ቦታታት ካብ ዝተመረፁ ካብ ሓዲኦም ዝፀዓን ይኸውን ።

መምርሒ ተወዳደርቲ /ተጫረቲ/

1/ ክሬሽ መቐረብቲ ዝተሓደሰ ናይ ድ.ኣ.ን.ት ሰርተፊኬት ዘለኩም ።

2/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘፈር ዘለኩም።

3/ ናይ ግብሪ ክፈላይነት መፍለዪ ቁፅሪ /TIN/ ዘለኩም።

4/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ መቕረባይነት ዘለኩም ።

5/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሊብሬ ዘለዎ ።

6/ 2% Withholding tax ክኸፍል ዝኽእል።

7/ YOT / ተርን ኦቨር ታክስ ክኸፍሉ ዝኽእሉ።

8/ ዝቐርቡ መረዳእታታት ኮፒ ብግልፂ ዝንበቡ( ዝረአዩ ) ክኾኑ ኣለዎም።

9/ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ ካብ ዕለት 12/07/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 16/07/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 11:00 ሰነድ ፕሮፎርማ ኣብ መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ

ቢሮ ቁፅሪ 08 ዳይሬክቶሬት/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን መፂእኹም ምዉሳድ ትኽእሉ።

10/ እቲ ፕሮፎርማ ዕለት 17/07/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ኣብ መቐለ ፖሊቴክኒክ ኮሌጅ ዳይሬክቶሬት ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 08 ይኽፈት።

11/ ተጫረቲ እዚ ጨረታ ኣብ ዝኸፈተሉ ዕለት ናይ ምርካብ መሰሎም ዝተሓለወ ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ግን እቲ ጨረታ ኣይተኣጓጎልን።

12/ ሰዓራይ ምስ ተፈለጠ ካብ ዝተገለፀልኩም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝሰዓርኩሙዎ ንብረት ኣታዊ ክትገብሩ ኣለኩም።

13/ ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

14/ ዋጋ ፀኒዑዝፀንሓሉ ጊዜ ጨረታ ፕሮፎርማ ካብ ዝኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ንን' ተኸታተልቲ መዓልታት ይኸውን።

15/ ኣብ ናይ ፕሮፎርማ ቅጥዒ ካብ ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ምፅሓፍ ፣ስርዝ ድልዝ ምግባር ከምኡ እውን ተመሳሳሊ ብዝብል ምምላእ ኣይፍቀድን "

16/ ኮሌጅና ካብ ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ብናይ ባዕልኻ ሰነድ መሊእኻ ምምፃእ (ምእታው) ኣይከኣልን።

17/ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-44-40-45-92 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ።