ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ /ህ.ወ.ሓ.ት/

Ref.NO./4:66 1961.4).482/1490

Date/ዕለት 12/07/2017ዓ/ም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ጨረታ ቁፅሪ ጨ-01/2017ዓ/ም

ዋና ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ንቤት ፅሕፈቱ ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑት ፣ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ፣ ናይ መኪና ጎማን ባትርን ከምኡ ድማ ናይ መኪና ዲኮርን መለዋወጢ ኣቑሑትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ እዞም ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ሕጋውያን መቕረብቲ ንክትወዳደሩ ፃውዒቱ ብኣኽብሮት የቕርብ:

ብተወዳደርቲ ክማልኡ ዝግበኦም ረቛሕታት

1. ናይ ዘመኑ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ፣ መፍለዪ ቁፅሪ /ቲን ናምበር/ ናይ ግብሪ ከፋላይ ፣ ናይ ሻት ምዝገባ

ሰርቲኬት ፤ ናይ ወርሒ ጥሪ/2017ዓ/ም ሻት ዲክሌር ዝገበርሉ ከምኡ እውን ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ሰርቲፊኬት ከቕርብ ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ፡፡

2. ተወዳደርቲ ካብ ቤት ፅሕፈትና ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ካብ ዕለት12/07/2016ዓ/ም ክሳብ ዕለት26/07/2016ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ብምምፃእ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ብር 200 /ክልተ ሚኢቲ ብር/ እናኸፈልኩም ክትወስዱ ትኽእሉ፡፡

3. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 26/07/2017ዓ/ም በቲ ዕለት ልክዕ ሳዓት 4፡00 ናይ ቅድሚ ሳዓት እንትኸውን ጨረታ ዝኸፈተሉ ብተመሳሳሊ ዕለት 26/07/2017ዓ/ም ልክዕ ሳዓት 4፡30 ናይ ቅድሚ ሳዓት ሕጋውያን ተወዳደርቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት፡ ጨረታ መኽፈቲ ብካላንደር ኣብ ዝዕፆ መዓልቲ እንተዳኣ ውዒሉ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ብተመሳሳሊ ሳዓት ይኸፈት፡፡

4. ተወዳደርቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብጥረገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዚዚ ክፍሊት ቸክ ፡ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና ባንኪ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌቴር ኦፍ ክረዲት (CPO) ንፅሕፈት መሳርሒ ብር 15,000 1 ንናይ መኪና ጎማን ባትርን ብር 20,000 ፣ ንኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ብር 20,000 ከምኡ ድማ ንናይ መኪና ዲኮር ብር 15,000 ብሽም ቤት ፅሕፈትና ከትሕዝ ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ።

5. ሰዓራይ - ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ በቲ ዝወፀ ስፐስፊኬሽን መሰረት ካብ ጠቕላላ ዋጋ ውዕሊ 10% መኽበሪ ውዕሊ ኣትሒዙ ብዝኣተዎ ውዕሊ መሰረት ብናይ ባዕሉ ወፃኢ መጋዓዝያን መራገፍን ናብ ቤት ፅሕፈትና ኣቕሪቡ ከረክብ ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ።

6. መቕረብቲ ኣብ ሕድ ሕድ ናይ መወዳደሪ መረዳእታኹም ከምኡ እውን ኣብ ናይ ዋጋ መምልኢ ቅጥዕን ናይ ትካልኩም ማህተም ሽምን ፌርማን ዝዓረፎ ኮይኑ ስርዝድልዝ ብዘይብሉ ብኢንቮሎፕ /ፖስታ/ ዓሺግኩም ንዋና ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ንብ/ምም/ርን ናብ ዝተዳለ ወሳንዱቕ ጨረታ ክተእትዉ ኣለኩም፡፡ 

7. ተወዳደርቲ ዋጋ እንትመልኡ ቫት ዝሓወሰ ዋጋ ኣብ ዝተዳለወልኩም ሰነድ ጨረታ ጥራሕ ንክትመልኡ ንሕብር።

8. ዋጋ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን45 ተኸታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልታት ይኸውን፡፡

9. ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

ኣድራሻና፡ ትግራይ -መቐለ ፅሕፈት ህ.ወ.ሓ.ት ኣብ ውሽጢ ግቢ ሓወልቲ ሰማእታት መቐለ ኣቲኹም ክትረኽቡና ትኽእሉ፡፡

➢ ንዝተደለየ ሓበሬታ ብሞባይል ቁፅሪ:- 0914 124252 ብምድዋል ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።