ምልክታ ግልፂ ጨረታ
አብ ትግራይ ክልል ግዚያዊ መንግስቲ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ንከዋሽ ፕሮግራም ግልጋሎት ዝውዕል ናይ 2017 ዓ/ም በጀት ዓመት ናይ ኤሌክትሮኒክስ አቁሑት ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ክገዝእ ስለ ዝደለየ ነዞም መለክዕታት ዘማልኡ ሕጋውያን ትካላት/ነጋዶ/ ክወዳዲሩ ይዕድም።
ሮቋሒታት ተጫረቲ
1. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፤ መቅረባይነት ሰርትፊኬት:ቲን/Tin/ቁፅሪ ናይ ወርሒ ጥሪ 2017 ዓ/ም ሻት ዲክለሬሽን ፣ ቫት ሰርትፊኬትን ዘቅርቡ፣
2. ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ መደበኛ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 13 ካብቲ ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት 12/07/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 22/07/2017 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100 ብር ብምክፋል ምዉሳድ ይከአል፣አብ ሕድሕድ ሰነዱ ናይ ትካልኩም ክቢ ማህተም ክዓርፎ ይግባእ
3. ናይ ጨረታ መኽበሪ 10000 ብር አብ ኩነታት ዘይተመስረተ CPO ከትሕዝ ዝኽእል፣ደኩሜንት አማሊኡ ዘይኣተወ ተጫራተይ ደሓር ዝመፅእ ዝኮነ ይኩን ሰነድ ዘይነስተእናግድ ምካንና ክፈልጡ ይግባእ
4. እቲ ጨረታ ዕለት 22/07/2017 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ናይ ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት 22/07/2017 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንጎሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዘለዉዎ ይኽፈት፣
5. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ ሓደ ኦርጅናል ሓደ ኮፒ ነኒ በይኑ ተዓሸጉ ከቕርብ ዝኽእል፣
6. ቢሮና ኣድላይ ኮይኑ እንተረኺብዎ ነዚ ጨረታ ብኽፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ።
7. ሰዓራይ አብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ኦርደር ወሲዱ ውዕሊ መክበሪ 10%ካብ ጠቅላላ ዋጋ ዝሰዓሮ ከትሕዝ ዝክእል።
8. ናይ ጨረታ አሸናፊ ዝኮነ ብናይ ባዕሉ መጋዓዓዚ ናብ ቢሮና በቲ ስፐስፊኬሽን መሰረት ከምፅእ ዝክእል አድራሻና አብ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ክልል ቢሮ ማይን ኢነርጅን መደበኛ ጉጅለ ዕደጋ እዩ፣
9. ናይ ጨረታ መኽፈቲን መዕፀዊን ዕለት አብ በዓል እንተዊዒሉ አብ ዝቕፅል ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝኸፈት ይኸዉን።
10. አብቲ ዝመላእኩምዎ ወይ ዘቅረብኩምዎ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ተሃልይዎ ተቀባልነት የብሉን
11. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስኪ ቑፅሪ 0914720632/0914032454 ምድዋል ይከአል