ናይ ጨረታ መምርሒ (ናይ ተጫረቲ ግድነት)
ኮሚሽን ፕላን ትግራይ ን2017 በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ስተሽነሪ ኣቁሑት፣ ናይ ኤሌትሮኒክስ ኣቁሑትን ናይ ፅሬት ኣቁሑትን ሕጋውያን መቅረብቲ ካብ ዝኾኑ ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
ስለዝኮነ ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ መቅረብቲ እንተነኣሰ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ናይ ተጫረቲ መምርሒ ክተማልኡ ይግባእ፡፡
1. ተጫራቲ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ኦርጅናል ብሽምዒ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ከቅርብ ዝኸእል፣
2. ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ኣብ 3ቲኡ ምድብ ንዘለዉ ዝርዝር ንብረታት ዘይምለስ ብር 50.00 /ሓምሳ ብር ጥራሕ እናኸፈለ ካብ ኮሚሽን ፕላን ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ሳልሳይ ደብሪ ካብ 10/07/2017 ክሳብ 23/07/2017 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ንጉሆ ሰዓት 2:30 ድሕሪ ሰዓት 7:30 ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይክእል፣
3. ሕድ ሕድ ተጫረቲ ነቲ ጨረታ ዝተዳለወ መምርሕን ናይ ኣቑሑት ዝርዝር መግለፅን ብጥንቃቐ ብምንባብን ብምርዳእን ዋግኦም ብትከክል ከቅርብ ዝኸእል፣
4. ንሕድሕድ ኣቅሓ ዝምላእ ናይ መቅረቢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎን ብትኸክል ዘይተመለአን ጨረታ ሰነድ ብዕደጋ ፈፃሚ ኣካል ተቐባልነት የብሉን፤ እንተተፈጢሩውን እቲ ተጫራቲ ፈሪሙ ከረጋግፅ ይግባእ::
5. ሰዓራይ ዝኾኑ ተጫረቲ 2% withholding tax በቲ መምርሒ መሰረት ኣብ ዕደጋ ፈፃሚ ኣካል ዝኸፍል፣
6. ናይ ጨረታ ሰነድ ዘቅርብን ዝፍርምን ወኪል እንተኾይኑ ካብ ሕጋዊ ቤት ፅሕፈት /ብቢሮ ፍትሒ ውዕልን መረዳእታን ዝተውሃበ ናይ ውክልና መረዳእታ ምስ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣተሓሒዙ ከቅርብ ይግባእ፣
7. ንሕድሕድ ኣቅሓ ዝምላእ ናይ መቅረቢ ዋጋ ንምስትኽኻል ዝደሊ ተጫራቲ ናይ ጨረታ መኸፈቲ ዕለት ቅድሚ ምብፅሑ ኣብቲ መምርሒ ኣብ ዝተቐመጠ ግዜ ገደብ ውሽጢ ብፅሑፍ ኣመልኪቱ ክእርምን ከስተኻኸልን ይኸእል::
8. ተጫራቲ ዘቕርብዎ ናይ ጨረታ ሰነድ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ኣብ ልዕሊኡ ናይ ተጫረቲ ሙሉእ ሽም፣ ማህተም፣ ዝርከበሉ ኣድራሻን ስልኪ ቁፅሪን ብምፅሓፍን ብዝተኣሸገ ፖስታ ንኮምሽን ፕላን ትግራይ ዝወፀ ጨረታ ተባሂሉ ብግልፂ ኣብቲ ዝተወሃበ ናይ ግዜ ገደብ ውሽጢ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዓዲሓቂ ዕዳጋ ርከብ ኢትዮዽያ ንግዲ ባንኪ 3ይ ደብሪ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ፣ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ሳልሳይ ደብሪ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ክኣትው ይግባእ::
9. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ንሕድ ሕድ ሰነድ ጨረታ ንምድብ-1 (OI-1/ብር 5,000፣ ንምድብ-2/OT-2 ብር 5,000፣ ንምድብ-3/OI-3 ድማ ብር 3,000.00 ብሽም ቢሮና ኮሚሽን ፕላን ትግራይ ብCPO ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኸእል፣ካብዚ ወፃኢ እቲ ዝቀረበ ጨረታ መክበሪ ገንዘብ ካብቲ ዝተሓተተ ናይ ገንዘብ መጠን ዝተሓተ እንተኾይኑ ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነታት ካብቲ ጨረታ ይስረዝ::
10. እቲ ጨረታ ሰዓራይ ዘይኮነ ተወዳዳሪ ዘትሓዞ ናይ ጨረታ መኸበሪ ናይቲ ጨረታ ውፅኢት ምስተፈለጠን ሰዓራይ ትካል ውዕሊ ምስኣሰረን መክበሪ ጨረተኡ ይምለሰሉ::
11. አብቲ ጨረታ ቅሬታ እንተሃልይዎ እቲ ውፅኢት ምስተፈለጠ ኣብ ውሽጢ 3' ናይ ሰራሕ መዓልቲ ቅሬታኡ ብፅሑፍ ከቅርቡ ይግባእ::
12. ቢሮና ንሰዓራይ ናይ ዘቅረቦ ኣቕሓ ሒሳብ/ዋጋ/ ዝኸፍል ምስ ጨረታ ተዓዋቲ /ሰዓሪ/ ብዝገብሮ ሕጋዊ ውዕልን እቶም ንብረታት ብሰብ ሙያታት ተራእዮም /ተፈቲሾም/ ትክክለኛነቶም ተረጋጊፁ ኣታዊ ምስኾኑ እዩ::
13. መቅረባይ ከይፈፀሞ /ከየቅረቦ/ ካብ ዝተረፈ ጠቅላላ ናይቲ ውዕሊ ዋጋ 10% ክሳብ ዝበፅሕ በብመዓልቱ 0.1% ወይከዓ 1/1000 ቅፅዓት ከም ዝከፍል ክፈልጥ ይግባእ፡፡
14. ውዕሊ እንተፍሪሱ ንስራሕ ኣፋፃፅማ ውዕሊ መክበሪ /performance bond/ ዘትሓዞ ገንዘብ ከምቲ ውዕሊ ኣፈፃፅማ ብሙሉእ ተቀፂዑ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይኸውን፤ ውዕሊ ብምቁራፁ ኣብ ዓዳጊ ዝበፅሕ ጉድኣትን ኪሳራን መቅረባይ ከሕሳ ክኸፍል ብሕጊ ዝሕተት ምዃኑ::
15. ጨረታ ድሕሪ ምኸፋቱ ዝኾነ ተጫራቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ ዝቐርብ ሰነድ ጨረታን ሕቶን ተቀባልነት የብሉን፤ ከምኡ ውን ተጫረቲ ኣብ ዘቕርቦ ናይ ጨረታ ሰነድ ለውጢ ወይ ከዓ መማሓየሺ ምግባርን ካብቲ ጨረታ ንባዕሉ ምግላልን ኣይፍቐድን::
16. ቢሮና ካብቲ ንጨረታ ዝወፀ ናይ ኣቑሑት በዝሒ መጠን ጨረታ ምስ ተኸፈተ 20%/ዒስራ ካብ ሚኢቲ ክቅንስ ወይ ከዓ ክውስኸ ይክእል፡፡
17. ዝኾነ ይኹን ጨረታ ኣመለኪቱ ዝቐርብ ሕቶ መብርሂ ይኹን ካሊእ ርክብ ብፅሑፍ ጥራሕ ይኸውን፡፡
18. ዘገድዱ ኩነታት Tender Condition Requirements/
❖ ሕድ ሕድ ተጫረቲ
• በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኦርጂናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኸእል፣
• ናይ ግብሪ ከፉላይ መለለይ ቑፅሪ IN ሰርተፊኬት ኦርጂናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኸእል፣
• ንተወሳኪ እሴት ታክሲ/AI ዝተመዝገበ፡ VAI ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ ጥሪ 2017 ዓ.ም VAT ድክላሬሽን ኦርጂናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኸእል፣
• በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑን ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ምስክር ወረቐት ኦርጂናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኸእል፣
• ናይ መረከቢ ቦታ /Delivery place / ኣብ ናይ ቢሮ ኮሚሽን ፕላን ትግራይ ዝርከብ ስቶር/ንብረት ክፍሊ ይኸውን::
• ናይ መረከቢ ግዜ /Delivery Time / ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰርሉ ዕለት ጀሚሩ ንምድብ-1 AOT-1/ ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ንምድብ-2/OT-2 ድማ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ፣ ምድብ-3O7-3 ድማ 05 ናይ ስራሕ መዓልቲ ኮይኑ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ናይ ኤሌትሮኒክስ፣ ኣቁሑት ናይ እስተሽነሪ ኣቁሑትን ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝኸእል፣
• ናይ ክፍሊት ኩነታት/Temm of payment ናይቲ ዝቐርብ ኣቕሓ ፅርየት ብሰብ ሙያታት ምስተረጋገፀን ኣጠቓሊሉ ኣታዊ ምስገበረን ክፍሊት ይፍፀመሉ::
• ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን ን60 መዓልቲ ይኸውን፡፡
19. ካብዚ ንታሕቲ ዝተቐመጡ ኩነታት እንተጋጢሞም ናይ ጨረታ መኽበሪ ናብ መንግስቲ ካዝና ተወሪሱ ኣታዊ ይግበር፤
❖ ተጫራቲ እቲ ጨረታ ምስ ተኸፈተ ንባዕሉ ካብቲ ጨረታ እንተግሊሉ::
❖ ሰዓራይ ዝኾነ ተጫራቲ ምስዓሩ ምስተገለፀሉ ኣብ ውሽጢ 3' መዓልቲ ብኣካል ቀሪቡ ውዕሊ እንተዘይኣሲ
20. ነቲ ጨረታ ብዝኾነ ምኸንያት ንምዝባዕ ዝፈተነ ወይ ንምድላል፣ ኣብ ጨረታ ንምጭብርባር ዝሞኮረ ወይ ተመሳሳሊ ጥፍኣት ዝፈፀመ ካብ ጨረታ ወፃኢ ተገይሩ ተጫራቲ ናይ ጨረታ
መኸበሪ ተወሪሱ በቲ ናይ ኢት/ያ ሕግታትን መምርሕን ይዳነ
21. ተጫረቲ ተጫሪቶም ንዝስዕርዎም ንብረታት ሙሉእ ውሕስና /Guranty/ ክወስድሎም ከምዘለዎም ክፈልጡ ይግባእ::
22. ተጫራቲ ተጫሪቱ ዝሰዓሮም ንብረታት መዓልቶም ዝሓለፎም እንተኾይኖም ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ እቶም ንብረታት ተመላሽ ከም ዝኾኑ ክፈልጡ ይግባእ::
23. ዝኾነ ተጫራቲ በቲ ሓዱሽ ናይ ንግዲ ኣዋጅ መሰረት ዝተማልአ ዶክሜንትን መረዳእታን ከቕርብ ክኸእል ኣለዎ::
24. እቲ ጨረታ ዕለት 23/07/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:00 ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 3:30 ሰዓት ኣብ ኮሚሽን ፕላን ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፉይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ሳልሳይ ደብሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኸፈት:: ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ጨረታ ምኸፋት ኣይተኣጓጎልን፡፡
25. ቢሮና ዝሓሽ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ::
26. ተጫራቲ ኣብ ሕድሕድ
27. ዘቕርቦም መረዳእታታት፣ ሰነድ ጨረታን ረቒቕ ውዕልን ማህተምን ፌርማን ከዓርፍሉ ይግባእ፡፡
28. ንተወሳኺ ሓበሬታ ቢሮና ኣብ ዓዲሓቂ ዕዳጋ ዝርከብ ኢትዮዽያ ንግዲ ባንኪ 3ይ ደብሪ ብስልኪ ቁፅሪ 03424O4272 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል::