1 ሕጋዊ ንግድ ፍቃድ ዘለዎም ዓመታዊ ግብሪ ዝከፈለን ናይ 2017 ዓም በጀት ዓመት ፍቃድ ንግዲ ዝሐደሰን
2 ናይ ነጋዳይ መለለይ ቁፅሪ ወይድማ ቲን ናምበር ዘለዎም
3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ናይ ወርሒ ጥሪ 2017 ዓም ሒሳቡ ዘፍለጥን ወይድማ ዲክለር ዝገበረን
4 ኣብ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገበ
5 ልዕል ክብል ናይ ዝተጠቀሱ መረዳአታ ዋንኡን ሐደ ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል
6 ንጨረታ መከብሪ ንዘይሰዓሩ ሽዑ ዝመለሰ ስፒኦ 10000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ተረጋገፂ ብዝቀረበ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል
7 ጨረታ ዝሰዓሩ ምካኑ ምስተረጋገፀ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዐሊ ክኣስር ዝክእል
8 ዝሰዓሩ ንብረት በቲ ዝተዳለወ ስፐስፌክሽን መሰረት ወይድማ ዝርዝር መዓቀኒ መሰረት ካብ ዉዕሊ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ናብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳርን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ንብረት ክፍሊ አታዊ ክገብር ዝክልእ
9 ሰነድ ጨረታ ዝርከበሉ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳርን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ኣብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨዉ ግብርና ዝርከብ ህንፃ ኣብ መድር ቤት ኮይኑ መሸጢ ሰነድ ጨረታ 100 ቅርሺ ጥራሕ ምካኑ እናገለፅና ተጫረቲ ንሐደ ተቅርቡልና ዋጋ መሊእኩም ብሽምኩም ዝተዓሸገ ፖስታ ካብ 4/7/2017 ዓም ክሳብ 25/7/2017 ዓም ሰዓት 3:30 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ናይ መንግስቲ ስራሕ ኣብ ከይዲ ዝርከብ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ትክእሉ
10 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ ዕለት 25/7/2017 ዓም ሰዓት 3:30 እንትከዉን ጨረታ ሳንዱቅ ዝክፈተሉ ድማ ዕለት 25/7/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት ኩሉ ዘድል ኣማሊኣም ኣብ ዘየለዉሉን ከምዝክፈት ምካኑ ክንገልፅ ንፈቱ
11 20 ሚእታዊ ምዉሳክን ምቅናስን ከምዝሎ ክፈልጥ ይግባእ
12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ ሰመሉ ዝተሐለወ እዩ
13 ኣብ ጨረታ ሰነድ ስርዝ እንትሃልዎ ተቀባልነት የብሉን
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0913875262