1 ናይዚ ዘበን 2017 ዓም ግብሪ ዝከፈሉ ዝሐተደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ : መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ እዉን ከቅርብ ዝክእል : ዝተሐደሰ ሰርተፊኬት መቅረባይነት : ኣብ ተወሳኪ አሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ናይ ወርሒ ጥሪ 2017 ዓም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጥክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

2 በዚ መሰረት ዝተዳለወ ዝርዝር ሰነድ ካብ ቤት መዘጋጃ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ካብ 5/7/2017ዓም ናይ ፈርኒቸር ኣቅሑት :ናይ ፅሕፈት መሰርሒ ኣቅሑት : ናይ ፅሬት ኣቅሑትን ነንሕድሕዶም ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 500 ቅርሺ እናከፈልኩም ምዉሳድ ትክእሉ

3 መከበሪ ጨረታ ናይ ፈርኒቸር ኣቅሑት 20000 : ናይ ፅሕፈት መሰርሒ ኣቅሑት 40000 : ናይ ፅሬት ኣቅሑትን 1500 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ብጥረ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 20/7/2017 ዓም ሰዓት 3:30 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ማለት እዉን 20/7/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ይክፈት እንተዘይተረኪቦም እዉን ካብ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ ሐደ ዋናን ብዝተዓሸገ ፖስታ ክተቅርቡ ይግባእ ብሓፈሻ ኣብ ልዕል እቲ ፖስታ ብደምቢ ዝረአ ፅሑፍ ኮፒን ኦርጅናልን ተባሂሉ ክፃሐፈሉ አለዎ

6 ቤት ዕዩ ካብ ዘዉፅኦም ዕድጊትታት 20 ሚእታዊ ካብ ነብስወከፈ ነፀላ ኣቅሓ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ

7 ኣብ መምሊኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዎ ንፁር እንተዘይኮይኑ ተቀባልነት የብሉን

8 ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ወይ ብዘይቫቱ ምካኑ ብግልፂ ከመልክቱ አለዎም እንተዘይኮይኑ ምስ ቫት ከምዝተመለአ እዩ ዝሕሰብ

9 ሰዓራይ ትካል ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ሓዊሱ ናብ ትካልና ዘመፅእ ክከዉን አለዎ

10 ሰዓራይ ትካል ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላለ ዋጋ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ከትሕዝ ዝክእል ክክዉን አለዎ

11 ናይ ጨረታ ዝዕፀወን ዝክፈተሉን ባዕል እንተዉዒሉ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ብተመሳሳሊ ሰዓት ዕለት ዝክፈት ይከዉን

12 ቤት ዕዩና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ መስራዝ መሰሉ ዝተሐወ እዩ

 ኣድራሻ ኣብ ዋና ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ከይዲ ስራሕ ትልሚ ፋይናንስን ዕደጋ ምምሕዳር ንብረትን እዩ     

 ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914747482 / 0914414232 / 0914767875