1 ሕጋዊ ንግድ ፍቃድ ዘለኩምን ካብ በጀት ዓመት ዝሐደስክምዎ ወይ ድማ ግብሪ ዝከፈልክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ
2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መልልይ ቁፅሪ ዘለዎን ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ካርዲ ዘለዎን ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእልን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ጥሪ ዲክለሪሽን 2017 ዓም መረዳእታ ከቅርብ ዝክእልን
3 ንሐደ ሰነድ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ከይዲ ስራሕ ዕድጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ብምዉሳድ ዝቀረበሉ ዋጋ ብምምላእ ካብ 4/7/2017 ዓም ክስብ 19/7/2017 ዓም ዋናን ቅዳሕን በበይን ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ምእታዉ ይክኣል
4 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 19/7/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት እንተዛይሃልዎም እዉን ኣብ ዉሽጢ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ይክፈት ይግምገምን
5 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ጨረታ መከብሪ ናይ ህንፃ መሳርሒ 3000 ናይ መኪና ጎማ 3000 ናይ ኮምፒተር ተንክፈ 3000 ቅርሺ ብስፒኦ ከትሕዙ ዝክእለን ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ብስፒኦ ከትሕዝ አለዎ
6 ተጫረቲ ዘቅርብዎ ናይ መወዳደሪ ደኩምን ማህተምን ፊርማን በዓል ዋና እንተዘይሃልዎ ስርዝ ድልዝ እንትኮይኑ ተቀባለነት የብሉን
7 ተጫረቲ ሰዓራይ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ዝሰዓሩ ይኩን ዘይሰዓሩ ኣብ ዉሽጠ ሰለሰተ መዓልቲ ብፅሑፍ ምስቀረበልኩም ቅሬታ እንዘይኣቅሪብኩም ብድሕሪኡ ንዝመፅእ ዝኮነ ይኩን ቅሬታ ኣይንቅበልን
8 ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ከረከብ ይግባእ
9 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0932326414 0914165013