ምልክታ ጨረታ
ኣብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ መቀለ ኣብ ናይ 2017 ዓ.ም በጀት ዓመት ኣብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ወረዳ ደ/ተምቤን እንደርታን ዝስርሑ 6' ራህያ ንመስተ ማይ ግልጋሎት ዝውዕሉ ብማሽን ክነኩዕት ስለ ዝደለና ነዚ ረቃሒ እተማልኡ ተኮናተርቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ::
ተጫረትቲ ከማልእዎ ዝግባእ
1. ናይ ማይ ስራሕቲ ንግዲ ፈቃድ ዝሓዘ ኮይኑ ደረጃ 9ተ ልዕሊኡን ዘለዎን ናይ ማሽን ኣካራይን ተካራይን መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል ናይ 2017ዓ/ም ዘሓደሰን ዝገልፅን ሰርተፊኬት ኦርጂናልን ኮፒን ቲን ናምበርን መረዳእታ ኦርጂናልን ኮፒን ዘቅርብ;
2. በዓል ማሽን ዝኮነ ናይ 2017ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሓደሰ ዝገልፅ ሰርተፊኬት ኦርጂናልን ኮፒን ቲን ናምበርን መረዳእታ ኦርጂናልን ኮፒን ዘቅርብ:
3. እቲ ስራሕ ውዕል ካብ ዝኣስሩ ጀሚሮም ኣብ ውሽጢ 30 ተከታተልቲ ማዓልቲ ሰሪሖም ከረክቡ ዝክእሉ::
4. ተጫረቲ ዝጫረትሉ ሰነድ ካብ ዕለት 2/07/2017ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ቤት ፅ/ት ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ብነፃ ኣብ ሰራሕ ሰዓት ከወስዱ ይከእሉ::
5. ተጫረቲ ናይ ዝረትሉ ዋጋ ዝሓዘ ሓደ ኦርጅናል ኣብ ሕድሕድ ገፅ ሽም ንግዲ ፍቃዶም ብምፅሓፍ ፌርማ ብምፍራምን ማህተም ምስ ገበሩ ብምዕሻግ ናይ ዝረትሉ ፕሮጀከት ሽምን ኣድራሻን ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቤት ፅ/ት ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ ዕለት 15/07/2017 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ብኣካል ብምምፃእ ከእትው ይክእሉ በቲ ዕለት ንሱ ልክዕ ሰዓት 4:15 ጨረታ ሳንዱቅ ይዕው::
6. እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ዕለት 15 /07/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:30 ቅድሚ ሰዓት ይከፈት
7. ብር 100000 ናይ ጨረታ መክበሪ ብርPO ወይ ብጥረ ገንዘብን ከትሕዝ ዝክእል ደረቅ ቸክን ተቀባልነት የብሉን:
8. መክበሪ ውዕሊ 5% ካብ ጠቕላላ ዋጋ ብ CPO ካብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ቸክ ከቅርብ ዝክእል::
9. ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምንጭበርባር ዝፈተነ ተወዳዳራይ ብሕጊ ተሓታታይ ምካኑ:
10. ተረቲ ናይ ቫት ሒሳብ ኣብ ግምት ከየእተው ክመልኡ ኣለዎም
11. በቲ ናይ ፕሮጀክት መምርሒ መሰረት ተወዳደርቲ ዝተሓተ ዋጋ ዘእተወ መሸነፉይ ይከውን:
12. ቤት ፅ/ት ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ፕሮጀክት ብክፋል ወይ ድማ ብሙሉእ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::
ንተወሳኪ ሓበሬታ ናብ ቤት ፅ/ት ኢትዮ ትሪ ከባቢ ምምሕያሽ ብኣካል ወይ ድማ ብስልኪ ቁፅሪ +251914112493/2519159782 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል እዩ