ቁፅሪ ፋ/ም/ሃ/ /ግ-ጨ/10
ዕለት 01/07/2017 ዓ/ም
ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቑፅሪ 08/2017 ዓ/ም
ቢሮ ፋይንስን ምትሕብባር ሃፍትን ካብ Calm በጀት ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑትን ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ካብ መደበኛ በጀት ዝተፈላለዩ ሕትመታት ካብ ሴፍትኔት በጀት ናይ መኪና ጎማ ንምግዛእ ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ንምግዛእ/ንምሕታም ብምድብ/LOT/ መቒሉ ማለት እውን፡-
ምድብ-HOT-1- ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት፣
ምድብ-2/LOT-2 - ናይ ዝተፈላለዩ ሕትመታት
ምድብ-3/LOT-3፡- ናይ ፅሕፈት መሳርሒ
ምድብ-4/LOT-4- ናይ መኪና ጎማ ኣቑሑት ክገዝእ/ከሐትም ይደሊ ስለዚ
1. በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣ ናይ ግብሪ ከፉላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣
2. ንተወሳኪ እሴት ታክሲ / VAT ዝተመዝገበ፣ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ ታሕሳስ/2017 ዓ.ም / VAT ድክላሬሽን ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣
3. በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑን ናይ ዘመኑ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል፣
4. ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ናይ ኤሌክትሮኒክስን ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ናይ መኪና መለዋወጢ /ጎማ/ ኣቑሑት ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 15' ናይ ዝተፈላለዩ ሕትመታት ድማ ኣብ ውሽጢ 3' ወርሒ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ እስፔስፍኬሽን መሰረት ከቅርብ ዝኽእል 1
5. ተጫራቲ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ኦርጅናልን ሓደ ኮፒን ነንበይኑ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ከቅርብ ዝኽእል፣
6. ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ፣ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ፣ ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ፣
7. ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታ LOT-1,LOT-2,LOT-3,LOT4 ንዘለዉ ዝርዝር
ንብረታት/ሕትመት LOT-1,LOT-2 ንሕድ ሕድ ሰነድ ዘይምለስ ብር 150.00/ ሓደ ሚዒቲ ሓምሳን ቅርሺ ጥራሕ/ LOT-3,LOT-4 ንዘለዉ ዝርዝር ንብረታት ንሕድ ሕድ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100.00/ ሓደ ሚኢቲ ብር ጥራሕ/ እናኸፈልኩም ካብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ዳ/ዳሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 2-19 /2-01 ካብ 01/07/2017 ዓ/ም ክሳብ 16/07/2017 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይክእል፣
8. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ሰነድ ጨረታ ንLOT-1 ብር 25,000.00/ ዒስራን ሓሙሽተን ሽሕ ብር ጥራሕ/ ንLOT-2 ብር 50,000.00/ ሓምሳ ሽሕ ብር ጥራሕ/ ንLOT-3, ብር 10,000.00/ ዓሰርተ ሽሕ ብር ጥራሕ/ ንLOT-4 ብር 5,000.00/ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ጥራሕ/ ብሽም ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን /Bureau of finance & Resource Coordination/ ብCPO ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ውይ ድማ ብጥረ-ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል፣
9. እቲ ጨረታ ዕለት 16/07/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 4፡30 ቅ/ሰዓት ኣብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን ዕደጋ ፉይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 2-19 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት።
10. ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
11. እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት/ዝሕተም ሕትመት መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ/ክውስክ/ ይክእል እዩ።
12. ሰዓራይ እቲ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ብበዓል ሞያ ቲሓር ICT ናይ መኪና መለዋወጢ /ጎማ ኣቑሑትድማ ብኤንስፔክተር /መዓል ሙያ መካኒክ ዝተፈላለዩ ሕትመትን ፅሕፈት መሳርሕን ብኮሚቴ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምሰተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸውን።
13. ንዝበለፀ ሓበሬታ ሞባይል ቑፅሪ 0914775963/0914136662 ደዊልካ ምሕታት ዝካኣል ምዃኑ ንሕብር ፡