ምልክታ ውሱን ጨረታ ፕሮሞተራት/ኩነት መዳለውቲ /መተሓባርቲ ባዛርን ኤግዚቪሽንን

ቤት ምኸሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለን ቤት ምኸሪ ዘፈር ማሕበራት መቐለን ብሓባር ንዘካይደኦ ባዛርን ኤግዜብሽንን “ሰላም ፋሲካ ኤክስፖ 2017 /ሰላም ንውሑስ ምስፍሕፋሕ ንግዲ 2017/ ብዝብል ቴማ ካብ 05 ክሳብ 19 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ብሽም ቻምበራት መቐለ ዓርሱ ክኢሉ በይኑ ኤግዚብሽንን ባዛርን ከካይድ ዝኸእል /Outsource ገይሩ/ ከወዳድር ይደሊ፤

ስለዚ ፕሮሞተራትን ኩነት መዳለውትን ተመሳሳሊ ፍቓድ ንግዲን ዘለኩም ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ንዕድም፣

ዘድልዩ ረቛሒታት

1. ናይዚ ግብሪ ዘመን ዝተሓደሰ ኣብዚ ዘርፊ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎን IN ዘለዎን ዝኾነን፣

2. ቅድሚ ሀዚ በዚ ተግባር ዝሰርሐሉ ልምዲ ዝገልፅ መረዳእታን ብዛዕባ ዘቕርቦም ተሳተፍትን ኣፈፃፅማኡን ኣመልኪቱ ፕሮፖዛል ከቕርብ ዝኸእል ይምረፅ፣

3. ሕጋዊ ነጋዶ ከሳትፍ ዝኽእል፣

4. እቶም ዝቐርቡ ተሳተፍቲ ዝሽጥለ ዋጋ ትሕቲ ከተማ መቐለ ስሩዕ ዕዳጋ ክሸጡ ምዃኖም እተረጋግፀለን እትሕተተሉን መስርሕ ዘቕምጥ፣

5. ካብቶም ዝቐርቡ ተሳተፍቲ፣ 50% ኣፍረይትን ኣምፃእትን፣ ናይ ወፃኢ ዓዲ ትካላት ከሳትፍ መሰረታዊ ካልኦት ዝኸእል፣ እኸልን ጥራምረን፣ ዝኸእል/ከምዘሳትፍ ግቡእ ዝኣቱ፣

6. ናይ ቻምበራት መቐለ ኣዳላውነትን ናይተን ቻምበራት ክብርን ሕጋዊ ሓላፍነተንን ዘኸብር፡፡

7. ንማእኸል ኤግዚቪሽን መቐለ ቻምበር ዝኸፈል ናይ ግልጋሎትን ማቴሪያልን ኪራይ ከይሓወሰ ንቻምበራት ዝኸፈል ብፅሒት ዝተሓተ መበገሲ መጠን ገንዘብ ብር 1,000,000.00 / ሓደ ሚልየን ብር / ክኸፍል ዝኸእል፣

8. ተወዳደርቲ ኣብቲ ዝመልእዎ ናይ ጨረታ ቅጥዒ ንመዳለውቲ ቻምበራት መቐለ/ ክኸፍሉዎ ዝኸእለ ብብር ብኣሃዝን ብፊደልን ብንፁር ዘቕምጡ፣

9. ፕሮፎርማ መኽበሪ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ብር 100,000.00 ብሽም ቤት ምኸሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለ ዘትሕዝ፣

10. ጨረታ ሰዓሪ ናይ ዝሰዓሮ መጠን ገንዘብ 50% ቅድሚያ ውዕል እንትኣስር ኸፊሉ ዝተረፈ ድማ እቲ ባዛር ኣብ ፍርቂ ምስበፅሐ ክኸፍል ዝኸእል፣

ቻምበራት ንዝቐረቡ መወዳደሪ ሓሳባት ሓቅነቶምን ክትግበሩ ዝኸእሉ ምዃኖምን እቲ ባዛር ኣብ ማእኸል ኤግዚቪሽን ቤት ምኸሪ ንግዲን ዘ/ማ/ትን መቐለ ከምዘካይዱን ዘለዎም ልምዲ ስራሕ ገምጊሙን ዝበለፀን ጠቓሚ ኣካይዳን ኣተገባብራን ብንፁር ዘቕረበ ወይ ዘቕርቡ ፕሮሞተራት/መዳለውቲ ኹነት (Promoters or Marketing & Event Organizers) ይምልምላ፣

ተወዳደርቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ብር 200.00 ብምኸፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኸሪ ንግድን ዘ/ማ/ትን መቐለ ወሲዶም ኣብ ውሽጢ 4 መዓልቲ መወዳደሪ ሓሳቦም ብዝርዝር ኣነፂሮም ናብ ቤ/ፅ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን መቐለ የቕርቡ፣ እቲ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 29/06/2017 ዓ.ም ድ/ቀትሪ ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ቻምበራት ብዘጣየሽኡ ናይ ሓባር ኮሚቴ ጨረታን ክትትል ኤግዚቪሽንን ባዛርን ኣቢለን ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ተወዳደርቲ ኣብዝተረኸቡሉ ይኸፈት::

ዝተሓረየ ተወዳደሪ ቻምበራት ብዘዳለወኦ ናይ ኣፈፃፅማ መተግበሪ መርሃ ግብሪ መሰረት ሰዓራይነቱ ምስተፈለጠ/ምስተገለፀ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ውዕሊ ይኣስር፤ በቲ ውዕሊ መሰረት ድማ ናይ ምትግባር ግቡእ ይህልዎ:: ኣብቲ ዝተጠቐሰ 3 መዓልቲ ውዕል ዘይኣሰረ መትሓጃ ዘትሓዞ CPO ናብ ቻምበር ኣታዊ ተገይሩ ሰዓራይነቱ ይስረዝ፡፡

ቻምበራት ነዚ ከይዲ'ዚ ነቲ ዝሓዘኡ ዕላማ ኣብ ምዕዋት ካሊእ ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኺበን ነዚ ውድድር ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰለን ዝተሓለወ እዩ::