ግልፂ ጨ/ ቑፅሪ 0706 /ደው-040/17 

ዕለት 24/06/2017

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

Office Aluminium glass partition work

ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ 32 ካሬ ናይ Office Aluminium glass partition work ምስ ናይ ጉልበት ስራሕ ከስርሕ ይደሊ:: በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ረቛሒታት ብምምላእ ተተሓሒዙ ዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ትጫረቱ ከምትኸእሉ ነፍልጥ፡፡

01. ብተዛማዲ ስራሕ ዘይሃሰሰ ናይ ዘመኑ ዝተሃደሰ ንግዲ ፈቓድ ፣ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ (VAT) ተመዝግብቲን ፣ ቲን ናምበር ዘለዎ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእልን ፣ ኣብ ናይ መቕረባይ ዝተመዝገበን ግብሪ ምኸፋሉ ዲክላራስዮን ናይ ወርሒ ታሕሳስ / ጥሪ 2017 ዓ/ም ምስክር ወረቐት ኮፒ ከቕርብ ዝኸእልን ። ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ 4,000 (ኣርባዕተ ሽሕ) ብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ሽም ዝተሰርሐ CPO ወይ ብሰርትፋይድ ቼክ ከትሕዙ ዝኽእሉ

02. እቲ ጨረታ ሰነድ ብፋይናንሻል ዝቐርብ ኾይኑ ምስኡ ሓደ ቕዳሕ / ኮፒ ብኢንቨሎፕ ተዓሸጉ ኸቐርብ ዘለዎ ኾይኑ ኣብቲ ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሕተምን ክህልዎ ይግባእ፡፡

03. ሰነድ እቲ ጨረታ ኣብ ቢሮ ቑፅሪ 09 ብምውሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታው ይኸእሉ። ከምኡ ውን ተጫረቲ ብዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሽሞም ፣ ፊርማን ኣድራሻን ክገልፁ አለዎም፡፡

04. ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዎም ቕድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኪ ቑፅሪ 03-44-40-28-01 ክሓቱ ይኸእሉ፡፡ 

05. ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 25/06/2017 ዓ/ም እስካብ 05/07/2017 ዓ/ም ኾይኑ ዕለት 05/07/2017 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብ ዝተጠቐሰ ዕለት ተጫረቲ ወይም ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ሰዓት 4፡30 ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ይኸፈት ፡፡ ይኹን እምበር ተጫረቲ ጨረታ ኣብ ዝኸፈተሉ ጊዜ እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምኸፋት ኣይትኣጓጉልን፡፡

06. ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ ኢዩ፡፡

ኣድራሻ ዒላላ ፈልሲ ጣብያ