1 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ በቲ ዘፈር ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም: ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ናይ ማይ ስራሕቲ ፍቃድ ዘለዎም : ረቀት ምስክር መለለይ ከፈልቲ ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበርን : ናይ ተወሳኬ እሴት ታክስ ምዝገባ ወረቅት ምስክር : ናይ ወርሒ ጥሪ 2017 እሴት ታክስ ዲክለረሸን ዘቅርብ

2 ዝተዳለወ ዝርዝር መረዳእታ ማለት እዉን እስፔስፊኬሽን እዚ ምልክታ ብቤሄራዊ ሬድዩ ድምፂ ወያነ ትግራይ ዝተቀለሐሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ ቢሮና ቁፅሪ 11 ዘይምለስ 1000 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሰድ ይከኣል

4 መከበሪ ጨረታ 500000 /ሐሙሽተ ሚኢቲ ሽሕ/ ቅርሺ ብመልክዕ ስፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ባንኪ ጋራንቲ ምስ ቴክኒካል ሰነድ ጨረታ አተሓሒዞም ከቅርብ ዝክእል

5 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 19/7/2017 ዓም ሰዓት 3:00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3:15 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዘለዉዎ ይክፈት

6 ተጫረቲ ሐደ ዋና ቴክንካልን ሐደ ዋና ፋይናንሻልን ሰነድ ነንበይኑ ብፖስታ ዝተዓሸገ ከምእዉን ሐደ ኮፒ ቴክኒካል ከምእዉን  ክልተ ኮፒ ፋይናንሻል ነንበይኑ ዝተዓሸገ ፖስታ ብምቅራብ ኣብ ዝባን እቲ ፖስታ ዋናን ቅዳሕ ተባሃሉ ብግልፂ ከቀርብ አለዎ ከምእዉን ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክዓርፎ አለዎ

7 ቢሮና ኣድላይ ኮይኑ እነተረኪብዎ ነቲ ጨረታ ብክፈል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0975462316 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

8 ናይ ጨረታ መክፈተን መዓፀዉን በዓል እንተዉዐሊ ኣብ ዝቅፅል መዓልቲ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልቲ ይክፈት