ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዉቕሮ ደ/ከ/ስራሕ/ዕደ/ፋይ/ንብ/ምም/ርን ዘለዎ ናይ ኦክስጅን ስሊደራት ካብ መደበኛ ወይ ወሽጢ ኣታዊ ዝፀደቐ በጀት ዝክፈል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ውዕሊ ኣእሲሩ  ኦክስጅን ከምልእ ይደሊ፡፡ ስለዚ ኣብ ታሐቲ ዝተጠቀሰ ረቋሒ እተማልኡ ንክትወዳደሩ ይዕድም።

ሀ. ተጫረትቲ ከማልእዎ ዝግባእ ነጥብታት/ረቋሒታት/

1. በቲ ዓውደ ስራሕ ናይ ዘመነ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ከምኡ እውን ቲን ናምበርን ኣብ ትልምን ፋይናንስን ብመቅረባይነት ዝተመዝገቡን ኦሪጂናልን ኮፒን ከቅርብ ዝክእል

2. ንጨረታ መክበሪ ትሕጃ ብር 3000 /ሰለስተ ሽሕ ብር/ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ/CPO/ ከትሕዝ ዝክእል

3. ናይዚ ጨረታ ሰዓራይ ምኳኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 6 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝክእል ጥራሕ ይወዳደር

4. ጨረታ ዝሰዓረ ውዕሊ እንትኣስር ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ/ድምር/ ናይ ሓደ ዋጋ 10% ንውሕስና ኣፈፃፅማ ስራሕ /መኽበሪ ውዕሊ/ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ዝተረጋገፀ ቸክ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ወይ ጥረ ገንዘብ/ክትሕዝ ዝክእል።

5. ተጫረትቲ ካብ ዝተመልአ ሕድሕድ ኤሌክትሮኒክስ ዝርዘር ናይ ሐደ ዋጋ ድምር ዝተሓተ ብምውሳድ ሰዓራይ ዝኸውን ምዃኑ ኣሚኖም ክወዳደሩ ዝክእሉ

6. ተጫራታይ ዝተወደአ ዝምላእ ስሊንደር/ እንተጋጥም ናብ እዚ ጨረታ ዝሰዓረ እንትልእክ ቆፂሩ ብመረካከቢ ቅጥዒ ክርከብን ብትክክል መሊኡ ናብ ሆስፒታልና ክልእክን ዝክእል ምዃኑ ኣሚነ ክወዳደር ኣለዎ።

7. ሰዓራይ ኮይኑ ዉዕሊ ዝኣሰረ ተጫራታት እቲ ዝምላእ _ ኦክስጅን ፅሬቱን ብትክክል ምምልኡን ዓቂኑ ንሓሆስፒታልና ሰብ ሞያ ከረክብ / ከቅርብ ዝክእል ምዃኑ ኣሚኑ ክወዳደር ኣለዎ

ለ. መምርሒ ተጫረትቲ

1. ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 06/05/2017 ዓ/ም እስካብ ዕለት 17/06/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ዘይምለስ ብር 50 ብምክፋል ካብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ውቅሮ ደ/ከ/ስራሕ ዕደ/ፋይ/ ንብ/ምም/ርን ምውሳድ ይከኣል።

2. እዚ ጨረታ ዕለት 17/06/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ሰዓት 4፡30 ይኽፈት።

3. ተጫረቲ ኣብ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ዋጋ ኣቀሚጦም ኣብ ዝተዓሸገ ፖሰታ ኮፒን ኦሪጂናልን ኢሎም በበይኑ ከቅርቡ ይግባእ እቲ ኦርጂናል እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ዝምለስ እዩ።

4. ተጫረትቲ ኣብ ዘቅርብዎ ዶኩመንት ሽሞምሽም ትካሎም/ ፊርመኦምን ማህተምን ከዕርፉ ኣለዎም

5. እቲ ጨረታ ብዝተፈላለየ መልክዑ ከዛብዑ ዝፍትኑ ተጫረትቲ እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ጨረታ ወፃኢ ጌሩ ንቐፃሊ ከይሳተፍ ይገብር።

6. ተጫረትቲ ድሕሪ ሳፁን ምኽፋቱ ጨረታ ኣይሳተፍን ምባል ኣይፍቀድን ከምኡ እውን ንዝበለ ዘትሓዞ መከበሪ ጨረታ ትሕጃ ኣይምለሰሉን ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይኸውን/፡፡

7. ተጫረትቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ ሕቶ መብርሂ / ወይ መማሓየሺ እንተሃልይዎም ናይ ጨረታ መኽፈቲ 5' መዓልቲን ልዕሊኡን እንትተርፎ ናብ ቤት ፅሕፈትና ብፅሑፍ ከቅርቡ ዝኽእሉ ምኳኖም

8 ሰነድ ጨረታ ካብ ናይ ባዕልና ቅጥዒ ወፃኢ ምጥቃም ኣይፍቀድን።

9. ሰዓራይ ምኳኑ ዝተነገረሉ ተጫራታይ እቲ ውዕሊ በቲ ዝሰዓሮ ዋጋ ክሳብ ሰነ 30/10/2017 ዓ/ም ውዕሊ ዝኣስር ዝፀንዕ/ ኮይነ ከከም ኩነታቱ ብናይ ክልቲኦም ተወዓዓልቲ ስምምዕነት ማለት እዚ ጨረታ ስዒሩ ዉዕሊ ዝኣሰረን ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዉቅሮን ስምምዕነት መሰረት ንቐፃሊ ዓመት በዚ ዉዕሊ ዝተኣሰሮ ዋጋ ክቕፅል ዝክእል ምዃኑ ኣሚነ ክወዳደር ኣለዎ።

10. ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344430057 ደዊልካ ምርካብ ይከኣል።