1 ኣብ መንገዲ ኮንስትራክሽ ወይድማ ጠቅላላ ኮንስትራክሽን ዘፈረ ስራሕ ሕጋዊ ፈቃድ ንግዲ ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ዘለዎ

 2 ን2017 ዓም ዝተሐደሰ ናይ ኮንስትራክን ምዝገባ ፍቃድ ወይድማ ዝተሐደሰ ብቅዓት መረጋገፂ ናይ ግብሪ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዘለዎ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝጋበ ሰርተፊኬት ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ዕድጊት ኣቅረባይነት ሰርተፊኬት ዝተሐደሰ ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ዓም  ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክለሪሽን ሪፐርት እዞም ረቆሒታት ኩሎም ዘይምለስ ቅዳሕ ምስ ዋና ፋይል አተሓሒዞም ከቅርቡ አለዎም

3 ተወዳደርቲ ናይ ፕሮፎርማ መወዳደሪ ሰነዶም ካብ ወረዳ ፅምብላ ምምሕዳር ፋይናንስ ካብ 30/5/2017 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 10/6/2017 ዓም ሰዓት 3:00 ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት 200 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ክወስዱ ይክእሉ

4 መከበሪ ፕሮፎርማ ጨረታ 100000 / ሐደ ሚኢቲ ሽሕ / ቅርሺ ኣብ ምምሕዳር ፋይናንስ ወረዳ ፅምብላ ተባሂሉ ብዝተዳለወ ባንኪ ስፒኦ ምቅራብ ይክአል

5 ኣብቲ ፕሮፎርማ ዝሰዓረ ተጫራቲ ዉፅኢት ምስተገለፀ ናይ ቅሬታ መቅረቢ ግዜ ምስሓለፈ ኣብ ዘለዉ ግዜ ሰለሰተ ናይ ሰራሕ ተከታታሊ ማዓልቲታት ካብ ዝሰዓረሉ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ናይ ዉዕሊ መከበሪ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ናይ ባን ዉሕስና ሒዙ ብምቅራብ እዚ ሰነድ ኣተሓሒዙ በቲ ፎርም መሰረት ዉዕሊ ክኣስር አለዎ

6 እቲ ፕሮፎርማ ዝሰዓረ ተጫረታይ ጠቅላላ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 75 ተከታታቲ መዓልቲ ስርሑ አጠቃሊሉ ከቅርብ አለዎ

7 ተጫረቲ እኩል ዓቅሚ ልምዲን ዘለዎም ክኮኑ ይግባእ ነዚ መረዳአታ ንክከዉን ድማ ቅድም ሕዚ ኣብ ኮንስትራክሽን መንገዲ ወይድማ ኣብ መንግዲ ተፋሳሳይነት ካብ ሸሞንተ ሚሊዩን ቅርሺ ዘይነኣሰ ጠቅላላ ድማር ዋጋ ዘለዎ ስራሕ ሰሪሖም ዘጠናቀቁ ምካኖም ዝገልፅ ሕጋዊ ደብዳቤ ካብ ዝሰርሕሉ ትካል መረዳእታ ደብዳቤ ከቅርቡ አለዎም

8 እቲ ዝቀርብ ናይ ስራሕ ልምዲ ካብ መንግስታዊ ትካላት ወይድማ መንግስታዊ ካብ ዘይኮኑ ናይ ልምዓት ትካላት ዝዉሃብ ኤንጅኦ መረዳአታ ጥራሕ ተቀባልንት ይህልዎ

9 ዝቀረብ ደብዳቤ ስራሕ ልምዲ ብዝምልክቶ ኣካል ዝፀደቀን ናይቲ ትካል ማሕተም ዝዓረፈሉን ኣብ መጨረሻ ናይ ክፍሊተ ምስክር ወረቀት ክልቲኦም አተሓሒዙ ከቅርብ አለዎ ክልቲአም እንተዘይቀሪቦም ካብቲ ዉድድር ወፃኢ ይከዉን

10 እቲ ፕሮፎርማ ዝሰዓረ ተወዳዳሪ ስርሑ ብኣግባቡ ንክሰርሕ ብቁዓት ሰብ በዓል መዲቡ ከስርሕ ማለት እዉን ናይቲ ፕሮጀክት ኣካያዲ ስራሕ ሳይት ማሃንዲስ ፎርማን ሰርቪሪን ካልኦትን ሰብ ሞያ መዲቡ ስርሑ ብኣግባቡ ናይ ም ስራሕ ሓላፍነት አለዎ

11 ኣብዚ መረጋገፂ ክከዉን ናይቲ ፕሮፎርማ ሰዓሪ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ቀሪቡ ናይ ስራሕ ዉዕሊ ቅድሚ ምእሳሩ ናይ ዝተጠቀሱ ሰብ ሞያ ሕጋዊ ቁፃር ተቆፀርቲ ናይ ትሕህርቲ ደረጃ ከቅርቡ አለዎም

12 ተጫረቲ ሰነዶም እትቀርቡ ዋና ናይ ቴክኒካልን ፋይናሸልን ሰነዳት ኣብ ሐደ ፖስታ ተዓሺጉ ከቅረብ አለዎ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ፕሮፎርማ ሰነዳት ክልተ ቅዳሓት ሐደ ዘይክፈት ሐደ ዝከፈትን ቅዳሕ ተባሂሎም ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ክቀርቡ አለዎም

13 ኣብ ነብስወከፍ ፖስታ ናይቶም ተጫረቲ ስም ፊርማን ማህትመን ክዓርፍ አለዎ ሰለስቲኦም ፖስታት ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ተዓሺጎም ዝቀርቡ እንትኮኑ ኣብ ነብሰወከፍ ፖስታ ኣብልዕሊኦም ናይ ተጫረቲ ሽምን ሙሉእ ኣድራሻን ናይቲ ትካል ማህተምን ክዓርፎ አለዎ እዚ ምስዓረፎ ሰለስቲኦም ፖስታት ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ናይ ተጫረቲ ሽም ሙሉእ ኣድራሻ ዝወዳደርሉ ናይ ሰራሕቲ መንገዲ ጠቂሶም ናይ ትካሎም ማህተም ብምዕራፍ ኣብ ወረዳ ፅምብላ ምምሕዳር ቤት ፅሕፈት ፋይናንስ አብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ክሳብ 10/6/2017 ዓም ቅድም ቀትሪ ሰዓት 4:00 ከእትዉ አለዎም

14 ናይቲ ፕሮፎርማ መቀበሊ ሳንዱቅ 10/6/2017 ዓም ቅድም ቀትሪ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ይክፈት

15 ናይ ፕሮፎርማ ጨረታ ሰነድ ቴክኒካልን ፋይናንሻል ብሐደ ይክፈቱ

16 ናይ መወዳደሪ ዋጋ ዝቀርብ ብናይ ኢትዩጰያ ቅርሺ ክከዉን አለዎ

17 እቲ ቤት ፅሕፈት ነቲ ስራሕ መቀላጠፊ ዝከዉን ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ብምትሓዝ ካብ ጠቅላላ ኮንትራክት ክሳብ 20 ሚእታዊ ክክፈል ይክእል

18 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ መስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ