ማሕበር ልምዓት ትግራይ

ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ናይ ፕሮጀክት ምጥንኻር GBV ዝድሓና ደኣንስትዮ ግልጋሎት ዝውዕል ንብረት ብግልፂ ጨረታ ክዕድግ ይደሊ፡ ስለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2017 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ተመዝገብቲ ዝኾኑን ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ወርሒ ሰነ 2017 ዓ.ም ዲክላራሱዮን ከቕርቡ ዝኽእሉን፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2017 ዓ.ም ከቕርቡ ዝኸእሉ፣

5. ተኸታታሊ ቑፅሪ ዘለዎ ሕጋዊ ቅብሊት ከቕርቡ ዝኸእሉ፣

6. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) ብር 10,000.00 ዘትሕዙ፣

7. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

8. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ 10% ናይ ዝመልኦ ዋጋ መኸበሪ ውዕሊ ብምቕራብን ዘየማትእ ውዕሊ ንክኣሳር ዝኽእል፣

9. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

10. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

11. ትካልና 20% ናይቲ ምንካይን ምውሳኸን ይኸእል፣

12. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ጥቓ ቤተ መንግስቲ) ቢሮ ቑፅሪ 150 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር 200.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል፣

13. ማ.ል.ት እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

14. እዚ ጨረታ ዕለት 12/06/2017 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓዕዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማልት ይኸፈት፡፡

ማ ሕ በ ር ል ም ዓ ት ት ግ ራ ይ!