1 ናይቲ ዘፈር ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ መቅረባይነት ዘለኩም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ከቅርቡ ዝክእሉ ናይ 2017 ዓም ናይ ወርሒ ታሕሳስ ሒሰብ ዘወረዳደርሉ መረዳእታ ዲክለሪሽን ከቅርብ ዝክእልን
2 ናይ ከፋሊ ግብሪ ቲን ናምበር ማለት እዉን መፍለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግበሪ ዘለኩም
3 ንመከበሪ ጨረታ 10000/ ዓሰርተ ሽሕ/ ቅርሺ ከምእዉን ተወዳዳራይ ሰዓራይ ኣብ ዝኮነሉ እዋን ካብ ጠቅላላ ዋጋ መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚእታዊ ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሕጋዊ ቼክ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ማለት እዉን ስፒኦ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሪዲት ከትሕዝ ዝክእል
4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 20 ጥሪ 2017 ዓም ክሳብ 5 የካቲት 2017 ዓም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ዳይሬክተር ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ሓፈሻዊ ሆስፒታል ማይኣይኒ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ክፍሊ ክትወስዱ ንዕድም
5 ሰዓራይ ምካንኩም ምስተረጋገፀ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክትኣስሩ ትክእሉ
6 ጨረታ ዝዕፀወሉ እዋን 5 የካቲት 2017 ዓም ዓም ዓት 3:00 ቅድሚ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ብተመሳሳሊ 5 የካቲት 2017 ዓም ዓት 3:30 ቅድሚ ሰዓት ይከዉን
7 ኩሉ መረዳእታኩም ቅዳሕ ብምግባር ምስ ናይ ዋጋ መቅረቢ ዝርዝር ሰነድ ብምትሓዝ ዓሺግኩም ናብ ዳይሬክተር ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ሓፈሻዊ ሆስፒታል ማይኣይኒ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ክፍሊ ኣብ ዘዳለዎ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ትክእሉ
8 ተወዳደርቲ ዝሰዓርክምዉ ንብረት ብናይ ባዕሎም መገዓዝያ ናብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ማይኣይኒ ንብረት ክፍሊ ከረክቡ ዝክእሉ
9 ቤት ፅሕፈትና ዝሸሐ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
10 ኣብ ናይ ባዕልና መቅረቢ ዝርዝር ብፅሬትን ብንፁርን ክምልኣ ይግባእ