ናይ ሒሳብ በዓል ሞያ ጨረታ ፕርፎርማ ምልክታ
ማሕበርና ማሕበር ህንፃ መሳርሒ ዕዳጋ ማእከል ፀብቅለይ መቐለ ወርሓዊን ዓመታዊን ናይ ሒሳብ ሪፖርት ኣፍልጦ ብዘለዎ ናይ ሒሳብ በዓል ሞያ ክነስርሕ ስለ ዝደለና ካብዚ ቀፂሎም ዘለዉ መመዘኒ ረቋሕታት እተማልኡ ክተወዳደሩ ንዕድም፡፡
ተጫረቲ ዘማልእዎም ረቋሕታት
1. ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን መለለዪ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ (ቲን ነምበር) ዘለዎ፡፡
2. ናይ ዘመኑ ግብሪ ናይ 2017 ዓ.ም ዓመታዊ ግብሪ ዝኸፈለ
3. ናይ 2017 ዓ.ም ሒሳብ ብቅዓት ሞያን ዘሐደሰ መረጋገፂ ወረቀት ምስክር ዘቅርብ ፡፡
4. ተወሳኪ እሴት ወይ ቲኦቲ ዝተመዝገበ ንግዲ ፍቃድ ቲን ሰርተፍኬተን ካልኦት ንጨረታ ዝጠቅሙ መረዳእታ ብኮፒ ከቅርብ ዝክእል
5. ክፍሊት እንትፍፀም ሕጋዊ ሕትመት ደረሰኝ ከቅርብ ዝክእል ፡፡
6. እዚ ፕርፎርማ ጨረታ ከም ዉዕሊ ኮይኑ ዘገልግል ምዃኑ ፈሊጡ ክጫረት ዝኸእል፡፡
7. ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ዝወፀሉ ዕለት 14/05/2017 ዓ.ም ጀሚሩ ንተከታታሊ 3' ናይ ስራሕ መዓልቲ ቀዳም ሓዊሱ ይኸዉን፡፡
8. ናይ ጨረታ ፕርፎርማ ዝዕፀወሉ ዕለት 16/05/2017 ዓ.ም ንጉሆ ልክዕ ሰዓት 4፡00 ኮይኑ ዝክፈተሉ ብተመሳሰሊ ዕለት ንጉሆ ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ተወከልቲ ኣብ ዘለዉዎ ኣብ ሞሞና ህንፃ ዝርከብ ወጋገን ባንክ ዉሽጢ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈትና ዝኸፈት ይኸዉን፡፡
9. ማሕበርና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብኸፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡