ቑፅሪ_ዕክንም 860 / 2-3/1/01

ዕለት_14/5/2017ዓ/ም

ቑ/ፕሮ 34

ኣብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቤት ፅሕፈት ፕረዝደንት ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንሰን ንብረት ምምሕዳርን ንቤት ፅሕፈት ጊ/ምምሕዳር ግልጋሎት ዝውዕል ናይ መኪና ጎማን ናይ መኪና መለዋወጠ ኣቕሑትን ብፕሮፎርማ ዕደጋ ሜላ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::

ስለዚ ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ነጋዶ በቲ ንግዲ ዘርፊ ዝሓቶ መሰረት

1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ፣ ቲን ናምበርን ቫት ዝተመዝገብኩም ተኮይንኩም ናይ ቫት

ዝረመዝገብኩምሉ ሴርቲፌኬት መቕረባይነትን ሰለስቲኡ ፎቶ ኮፒ ምስ ዝቀርብ ናይ ዋጋ መግለፂ ብምትሕሓዝ መሊእኩም ብፓስታ ኣሺግኩም ካብ ዕለት 14/5/ 2017 ዓ/ም ክሳብ 16/5/2017 ዓ/ም 11፡30 ናብ ቁፅሪ ክፍሊ 3-18 ምቕራብ ይግባእ' ዝቐረበ ፕሮፎርማ ዕለት 19/ 5/2017 ዓ/ም ሰዓት 2፡30 ዝክፈት ምዃኑ ንገልፅ'

2. እቲ ዝቐርብ ኣቅሓ ነቲ ዝተጠቀሰ ስፔስፊኬሽን ዘማለአ ክኮን _ ኣለዎ

3. ካብ ዝቐረቡ ተወዳደርቲ ሰዓራይ ምስተነፀረ ኣብ ውዕጢ 3 ናይ ስራሕ – መዓልታት ብናይ ባዕሉ ትራንስፓርት ከቅርብ ዝክእል

4. ዝተጠቀሰ ግዜ ውሽጢ ክተርክቡ ትክእሉ ምዃንኩም ኣረጋጊፅኩም ክትመልኡ ይግባእ ሳዓራይ ምስተበሃለ : ዘየቅርብ ዋጋ መሊኡ ዘቅረበ ትካል ኣብዚ ቤት ዕዮ ንዘጋጥም ምጉልእላእ ተሓታቲ ይኸውን

5. ኣብ ዘይዘርፉ ዘይምልከቶ/ ዋጋ መሊኡ ዘቅረበ ካብ ውድድር ወፃኢ ይግበር

6. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ መዓልቲ ጀሚሩ ን 7ተ ስራሕ መዓልቲታት ጥራሕ ይኸውን

7. መምልኢ ዋጋ ን ካብ ቤት ፅሕፈት ጊ/ምምሕዳር ምውሳድ ይከኣል

8. እቲ ቤት ፅሕፈት ዳ/ዕ/ፋይ/ንብ/ምም/ር ኣብ ዘውፀኦ በዝሒ ምቕናስ ፣ ምውሳኽ ከምኡ 'ውን ብሙሉእ ወይ ብክፋል እቲ ፕሮፎርማ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንዝድለ ሓበሬታ - ብኣካል ወይ ብስልኪ ቑፅሪ 0344-406451 ምሕታት ይከኣል