በዚ መሰረት ሰነድ ጨረታ ካብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 9 ጨረታ ሰነድ ብምዕዳግ ክትጫረቱ ትክእሉ

1 ብተዛማዲ ስራሕ ናይ ዘበን 2017 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም

2 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑ ፡ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ብቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ ፡  ግብሪ ምክፋሎም ዲክላራሱዩን ማለት እዉን ፀብፃብ ሒሳብ ናይ ወርሒ ሕዳር ፡ ታሕሳስ ወረቀት  2017 ዓም ምስክር  ወረቀት ብቅዳሕ መልክዕ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ዉሕስና 20000 ብር ብኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ሽም ዝተሰርሐ ስፒኦ ወይድም ሰርቲፋይድ ቼክ ከትሕዙ ዝክእሉ

4 ተወዳደድርቲ ቅድሚ ሕዚ ማለት እዉን ብሕርሻ ማሽነሪ :ጀነሪተርን: ናይ ላቫራቶሪ ኣቅሑት ምስራሕን ምፅጋንን አፍልጦ ዘለዎ ምካኑ መረዳአታ ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ሰነድ ጨረታ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማህተምን ክህልዎ ይግባእ

6 እቲ ሰነድ ጨረታ ብፋይናንሻልን ቴክኒካል ዝቀረብ ኮይኑ ንሕድሕዶም ብክልተ ብኢንቨሎፕ ተዓሺጉ ከቅረብ ዘለዎ እንተከዉን ዋና ምስ ቅዳሕ ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሕተምን ክህልዎ ይግባእ

5 ብግልፂ ዝረአ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ፡መለለየ ከፈልቲ ግብሪ ፡ ቃላ ማሓላ ናይ : ናይ መቅረባይነት ምዝጋባ ምስክር ወረቀት ፡ ስፒኦ ወዘተ ዘድሊ ሰነድ  ኣብ ዋናን ቅዳሕን ከትሕዙ አለዎም

6 ሰነድ ጨረታ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 9 ዘይምለስ 200 ቀርሺ ከፈሎም ብምዉሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቀጨረታ ምእታዉ ይክእሉ

7 ከምእዉን ተጫረቲ ብዘቅርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሽሞም ፊርምኦም ኣድራሾምን ከግልፅ አለዎም

8 ተጫረቲ ኣብ ሰነድ ጨረታ መብርሂ ወይድማ ናይ ምምሕያሽ ሕቶ ተሊዎም ቅድም ካብ ዝተወሰነ ግዘ ገደብ ብቁፅሪ ስልኪ 0344402801 ክሓቱ ይክእሉ

11 ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ 10 /5/ 2017 ዓም  ክሳብ  20/5 /2017 ዓም ኮይኑ 20 /5/ 2017 ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዝተጠቀሰ ዕለት ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ሰዓት 4:30 ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 9 ይክፈት ይኩን ዳኣምበር ተጫረቲ ጨረታ አብ ዝክፈተሉ ግዘ እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን

12 ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ