ምልክታ ፕሮፎርማ ሞያ ኦዲት/ ሒሳብ ምርመራ
መስፍን ዕቓርን ልቓሕን ሓ/ዝ/መ/ሕ/ስ/ማሕበር ካብ ዕለት1/11/2015 ዓ/ም እስካብ ሰነ30/10/2016 ዓመት ናይ ሒሳብ ምንቅስቓሱ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ከመርምር/ኦዲት ከግብር/ስለዝደሊ ዝስዕብ ረቓሒ ሕጋዊያን ኦዲተራት ክትወዳደሩ ንዕድም።
ሀ/ ሒሳብ ምርመራ ዝግበረሉ ኹነታት፤
1/ ካብ ዕለት1/11/2015 እስካብ 30/10/2016 ዘሎ ናይ ስራሕ ምንቅስቓስ የጠቓልል።
2/ ኦዲት ዝግበሩ ሰነዳት፤ናይ ኣታዊ ፓድ 6ተ ጥራዝ፤ናይ ወፃኢ ፓድ 6ተ ጥራዝ፤ናይ ሲስተም ኦዲትን፤ ከምኡውን ኣብ ስራሕ ዝውዓሉ ሰነዳት፤ናይ ኣባላት ዕቓርን ፤ዕፃን፤ልቓሕን፤ሌጀራትን ምምርማርን ናይ ተለቃሕቲ ይኹን ፤ናይ ዓቖረቲ ወለድን ናይ ኣባላት ትርፊ መቖሎን ኣነፂርካ ምስራሕ
ለ/ ተወዳደርቲ ከማልእዎም ዝገባእ ረቓሕታት፤
1/ ናይ ሞያ ብቕዓት መረጋገፂ ብርኪ ሓደ ፍቓድ ዘለዎ፤
2/ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፤
3/ ናይ ግብሪ ኸፋሊ ምዝገባ ሰርቲፊኬትን፤ናይ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬት ዘለዎ፤
4/ ስሩዕ ሕጋዊ ደረሰኝ ዘቕርብ፤
5/ እንተነኣሰ ብኦዲተርነት 2ተ ዓመትን ልዕሊኡን ዝሰርሐ ኾይኑ/ ናይ ሕ/ስ/ማሕበራት ኦዲት ልምዲ ዘለዎ ይምረፅ/።
6/ ሰዓራይ ምኻኑ ካብዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ መርሚሩ ከቕርብ ዝኽእል፤
7/ ፕሮፎርማ ዝፅንሓሉ ግዜ ካብ ዕለት 06/05/2017 እስካብ ዕለት 09/05/2017 እዩ።
8/ እቲ ንመወዳደሪ ዝቕመጥ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኾን ኣለዎ፤---ሙሉእ ምርመራ ንምግባር ዝቐረበ ዋጋ ምስ ቫቱ ብኣሃዝ --- /ብፊደል -----/
-- እዚ መወዳደሪ ቕጥዒ ፊረማን ማህተምን እንተዘይዓሪፍዎ ተቐባልነት የብሉን።
-- ማሕበርና እዚ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰል ኣለዎ።
ኣድራሻና፤ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን ጣብያ ኢንዱስትሪ ኣብ ዝርከብ ናይ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ዋና ቤት ፅሕፈት እዩ ::
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብኣካል ብምቅራብ ወይ ብስ/ቁ : 0914751455 ምሕታት ይከኣል :