ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምም/ር ፋይናንስን ወረዳ ስውሓ ሳዕሲዕ

ምልክታ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ል/እ ምምር/ፋይናንስን ወ/ሱ ሳዕሲዕ ብናይ መደበኛ በጀትን ሴክተራት ግልጋሎት ዝውዕል ፅሕፈትመሳረሒ ኣሪቱ ክገዝእ ስለ ዝደለየ ሕጋውያን ነጋዶ ዝኮንኩም ንክትጫረቱ ንዕድም።

ተጫረቲ ከተማልእዎም ዝግባእ ነጥብታት

1. ተጫረቲ ናይ2017ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲፍቃድ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ሰርቲፊከትን ቲን

ናምበርን ዘለኩም፣

2. ተጫረቲ ነናይ ባዕሉ ዘርፊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ክከውን ኣለዎ፣

3. ተጫረቲ ቫት ዝተመዝገቡን ናይ ወርሒ ሕዳር 2017ዓ/ም ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ከተቅርቡ እትክእሉ፣

4. ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ ዝከውን ብ CPO ብር 10000 ከተትሽዙ እትክእሉ፣

5. ተጫረቲ ንብረት ቀርበሉ ማዓልቲ ሰዓርቲ ምካንኩም ካብ ዝነበርሉ ዕለት ጀሚሩኣብ ውሽጢ 3 ማልቲ ይከውን፣

6. ተጫረቲ ንበክበሪ ውዕሊ 10% ካብ ጠቅላላ ዋጋ ዝሰዓሮ ንብረት ከትሕዝ ዝክእል፣

7. ተጨረቲ ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ስርስ ድልዝ እንተሃልይዎ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከውን፣

8. ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ መፅዓንን መራገፍን መጎዓዝን ኣብ ግምት ዘእተወ ክከውን ኣለዎ፣

9. ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎዶክመንት ሽሞም፣ፌርማኦምን ማህተሞምን ክዓርፎ ይግባእ፣

10. ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ከም ኡእውን ዝተማልአ ዶኩመንት ኣብ ዘቅረብሉ ይክፈት፣

11. ጨረታ ብዝተፈላለየ ምክንያት ከዛብዑ ዝፍትኑ ተጫረቲ እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ጨረታ ወፃኢ ገይሩ ንቀፃሊ ከይሳተፍ ይገብር፣

12. አቲ ውድድር ITEM by ITEM መሸነፋይ ይከውን፡

13. ሰነድ ዝሽየጠሉ እዋን ካብ 5/05/2017ዓ/ም 14/05/2017ዓ/ምኣብ ወረዳ ሱ/ሳዕሲዕ ከይዲ ስራሕ ዕ/ን/ምም/ርን ይከውን፣

14. ናይ ጨረታ መጠን 20% ክውስክ ወይ ከዓ ክቅንስ ይክእል፣

15. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 15/05/2017 ዓ/ምከይኑ በቲ ተጠቂሱ ዘሎ ዕለት ሰዓት 4፡00 ተዓሸጉ ኣብ ተመሳሰሊ 4፡30 ይክፈት

16.ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ

ሕላው እዩ፣

17. ተጫረቲ ዘይምለስ ብር 100 ናብ ሒሳብ 1000539501357 ል/እ/ፋ/ም/ርን ወ/ሱ/ሳዕሲዕኣቀዲምኩም ኣታዊ ብምግባር ሰነድ ክትገዝኡ እትክእሉ፣

18. ኣድራሻ ኣብ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ዞን 01 ኣብ ከባቢ በሪ ሃይ ስኩል ዕን/ምም/ርን ሓቲትኩም ምርካብ ትክእሉ፤