ን2ይ ግዜ ዝወፅአ ምልክታ ጨረታ
ናይ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ማይጨው ሀገረ ስብከት ኣብ ከተማ ማይጨው 03 ቀበሌ ፍሉይ ቦታ ጥቃ አውቶብስ መናሃርያ ኣብ ዝርከብ 543 ካ/ሜ ናይ ድርጅት ትሕዝቶኡ ንኹሉ- መዳይ ናይ ልምዓት ግልጋሎት /ንግዲ/ (Mixed Used building) ዝውዕል G+6 ዘመናዊ ህንፃ ብደረጃ 2ተ ወይ 1 ፍቓድ ዘለዎ አማኻሪ ድርጅት ዲዛይን ብግልፂ ጨረ አዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ እትደልዩ ተጫረቲ እዞም ስዒቦም ዝተገለው ታት ኣማሊእኹም ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
1. ናይ 2017ዓ/ም በጀት ዓመት ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ፣ ንግዲ ምዝገባ፣ ናይ ክንስትራክሽን /አማኻሪነት/ ምዘገባ ሰርትፍኬት፣ ናይ ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ሰርተፍኬት /TIN / ከምኡ ውን ናይ ቫትNAT/ ተመዝጋባይነት ሰርቲፍኬት ዘቕርብ፣
2. ናይ ጨረታ ውሕስና ካብ ዝተፈለጡ ባንክታት ዝወሃብ አብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕልና ወይ ድማ ካብ ባንኪ ብዝወሃብ ዝተረጋገፀ CPO ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ብር 10,000.00/ዓሰርተሽ ርብ ዝኽእል፣
3. እቲ ስራሕ (ዲዛይን) ኣብ ውሽጢ 30 ተኸታታሊ ናይ ካላንደር ማዕልቲ ብፅሬትን ሰለጠንን ሰሪሑ ከረክብ ዝኽእል፣
4. ኣብቲ ዲዛይን ክካተቱ ዝግበኦም ነገራት፣
ሀ) ናይ ኣርክቴክቸራል፣ ስትራክቸራል፤ ኤሌክትርካል፣ ሳኒተሪን ኤሌክትሮ መካኒካልን ይህ ነናይ ባዕልቶም ሪፖርት፣
ምስ /ሕድሕድ ዲዛይን ብዝምልከቶ በዓል ሞያ ክዳሎ ዝግባእ ኾይኑ ናይ በዓል ሞያታት ፕሮፌሽናል ላይሰንስን ናይቲ ትካል ሰራሕተኛታት ምዃኖም ዘረጋግፅ መረዳእታን ኣብ ወ ተሓደሰ እታ ገፅ እቲ ሪፖርት ክተሓሓዝ ይግባእ
ለ) እቲ ዝዳሎ ዲዛይን ብናይ ህንፃ መምርሒ መሰረት “ደረጃ ሐ” ህንፃ ከማልኦም ዝግባእ መስፈርታት ዘካተተ ክኸውን ይግባእ ሃንአብነት አካል ጉድአት ክጥቀመሉ ዝኽእል መደያየቢ ራምፕን ሊፍት፣ ባርዕ መከላኸሊ ዲዛይን፣ ሽርዎል፣ መኪና መዕረፊ፣ ወዘተ/
ሐ) ቅድሚ ዲዛይን ምድላው አብቲ ሳይት ናይቲ ናይ ሓመድ ምርመራ ስራሕቲ ብደረ 2017ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ ፍቓድ ዘለዎ ትካል ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ንክትትል ከስርሕ ዝኽእልን፣
መ) ብናይ እቲ ከባቢ ሬት (ነፀላ ዋጋ) ዝተዳለወ እዋናዊ ዝርዝር ግምትን ስፐስፍኬሽንን ብ3ተ ኮፒ ከዳሉ ዝኽእል፣
ረ) እቲ ዲዛይን ምስተዳለወ ብ3D ሞዴል ኣኒሜሽን አዳልዩ ከምኡውን ካብ 2ካ/ሜ ብር አዳልዩ ካብቲ ሳይት ብብረት ከቐምጥ ዝኽእል፣
ሰ) ዝተዳለወ ፕላን፣ ዝርዝር ግምት፣ ሪፖርት /ኢታፕስን ሴፍን አናሊስስ ሓዊሱ ከምኡውን 30 ሞዴል ካብ ሃርድ ኮፒ ብተወሳኺ ብሶፍት ኮፒ እውን ከረክብ ዝኽእል፣
ሸ) ንዘዳለዎ ፕላን ውሕስና ካብ ዝተፈለጠ መድሕን ድርጅት ከቅርብ ዝኽእል እቲ ውሕስና ሕጋዊ ኾይኑ ዝፀንሐሉ ግዜ =ህንፀት መዛዘሚ ግዜ+1ዓመት ክኸውን ይግባእ/
ረ) ብሓፈሻ ብህንፃ ሹም ዝሕተቱ ኹሉ ዓይነት መስፈርታት ኣዳልዩን ኣፅዲቑን ንበዓል ዋና ህንፃ ኣብ ውሽጢ 15 ናይ ካላንደር መዓልቲታት ከረክብ ዝኽእል፣
5. ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 30/04/2017 ዓ/ም ክሳብ 7/05/2017 ዓ/ም ኣብ ከባቢ ዕደጋ ቐዳም ካብ ዝርከብ ቤትፅሕፈትና ምውሳድ ይከኣል፡፡
6. ነቲ ጨረታ መኸበሪ ዘይምለስ ብር 300 ብምኽፋል ናይቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቢሮ ቑፅሪ 4 (መዝገብ ቤት) ምዕዳግ ይኽእሉ::
7. ተጫረቲ ብቕዳሕ ከቕርብዎ ዝግባእ ነገራት ዝምልከት፣ ናይዝጫረትሉ ፕሮጀክት ዋጋ ዝተመለአ ሰነድ፣ ኣብ ቑፅሪ ሓደ ዝተዘርዘሩ መረዳእታታት ኮፒን ናይቲ ክስራሕ ዝተሓሰበ ሓዱሽ ፕሮጀክት ድራፍት ይኹን ካልኦት በቲ አማኻሪ ትካል ዝተሰርሑ ፕሮጀክታት ንዓቕሚ መርአዪ ዝኾኑ ብ2D/3D ብሃርድ ኮፒ ወይ ድማ ብሶፍት ኮፒ ብምትሕሓዝ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቐረበ ቕጥዕታት ብትኽክል መሊኦም፣ ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ዶኩመንት ፈሪሞምን ሓቲሞምን ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ሽሞም ብምፅሓፍን ብምዕሻግን ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ክሳብ ዕለት 7/05/2017 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት 8:30 ናይ ቐትሪ ብአካል ብምቕራብ ኣታዊ ክትገብሩ አለኩም፡፡
8. እቲ ጨረታ ኹሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ዕለት 7/05/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቐትሪ ተዓፅዩ ኣብ ቤትፅሕፈትና ብተመሳሳሊ ማዕልቲ ሰዓት 9:00 ይኽፈት ፡፡ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይ ምርካቦም ከይተኸፈተ ዝምለስ ጨረታ ሰነድ አይህሉን፡፡
9. እቲ ቤትፅሕፈት ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ድማ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡ 10.ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ብኣካል ብምቕራብ ወይ ድማ ብቑፅሪ ስልኪ 0914375513 ብምድዋል 0974757736 ምርካብ ይከኣል እዩ፡፡