1 ናይ እትወዳደርሉ በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ፈቃድ ንግዲ ዘለዎ ናይ 2017 ዝተሐደሰ ኮፒ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
2 ናይ ከፋላይ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ ዘለዎ ኮፒ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
3 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ መቅረባይነት ዘለዎን ናይ 2017 ዝተሐደሰ ሃርዲ ኮፒ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
4 መለለይ ቁፅሪ ከፋለይነት ግብሪ ቅዳሕ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል ኮፒ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
5 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመገበን እንተነኣሰ ናይ ወርሒ ሕዳር 2017 ዓም ወይ ድም ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ዘሎ ሐደ ወርሒ ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ቅዳሕ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
5 ናይ ተጫረቲ ንፁር ዝኮነ ሽም ፊርማን ኣድራሻ ሕጋዊ ማሕተም ኣብ ሕድሕድ ገፅ ክግበር አለዎ
6 ተጫረቲ ዝመለእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ናይ ቫት ዋጋ ሓዊሱ ብጥንቃቀ ትክክልኛን ነፀላ ዋጋ ከቀምጥ አለዎ
7 ካብዚ ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ድማ ኣብ ካሊእ ሰነድ መሊእካ መቅራብ ተቀባልነት የብሉን
8 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምካፈቱ ናይ ጨረታ ዉሕስና መከብሪ ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ መኣዘዚ ክፍሊት ቼክ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ስፒኦ 150000 ብር ከትሕዝ ዝክእል
9 ጨረታ ካብ 15/4/2017 ዓም ክሳብ 1/5/2017 ዓም ሰዓት 11:00 ኣብ ዘሎ እዋን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ከይዲ ስራሕ ምምሕዳር ፋይናንስን ኣብ ቁፅሪ 7 ብምምፃእ ሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 3000 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ፋይናንስን መዘጋጃ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ብምምፃእ ክትወስዱ ትክእሉ
10 እቲ ጨረታ 2/5/2017 ዓም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት እንተዘይሃለዉ እወን ኣብ ዉሽጢ ጨረታ ዝተረከበ ፖስታ ብስረዓት ተከፊቱ ይንበብ
11 ተጫረቲ ዝመለእዉ ሰነድ ዋና ንበይኑ ቅዳሕ ንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምምላእ ዋና ቴክኒካል ሰነድ ቅዳሕ ቴክኒካል ሰነድ ንበይኑ አብ ነናይ ባዕሎም ፖስታ ብምዕሽግ ኣብ መጨረሻ ተጠቅሊሉ ኣብ ሐደ ፖሰታ ይዕሸግ ቀፂሉ ፋይናንሻል መረዳአታ ድማ ዋና መረዳአታ ንበይኑ ቅዳሕ መረዳእታ ንበይኑ ከልቲኦም ፖስታት ነንበይኖም ብምዐሻግ ንክሊቲኦም ኣብ ዝጠምር ፖስታ ይዕሸጉ ኣብ መወዳእታ ኩልም ናይ ቴክኒካል ይኩን ናይ ፋይናንሻል ዝሐዙ ፖስታት ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ናብ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ይኣትዉ
12 ዊዝሆልድ ታክስ ምክፋል ግቡኡ ምካኑ ምርዳእ ይግባእ
13 ተጫራታይ ሰዓራይ ምካኑ ምስተፈለጠጣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ዉዕሊ ክአስረ ዝከእል ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ እንተበዝሐ ኣብ 11 ኣዋርሕ ሙሉእ ስርሑ ወዲኡ ናብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ዓዲዳዕሮ ከረክብ ዝክእል
13 ሰዓራይ ዉዕሊ እንትኣስር ከሎ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10 መእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ብስፒኦ ጥራሕ ከትሕዝ ዝክእል
14 ቤት መዘጋጃ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0932330059 / 0914777547 / 0914778022