1 ዝኮነ ተጫራታይ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 8/5/2017 ዓም ጀሚሩ ኣብ ዘለዉ 10 ተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲታት እንትከዉን ናይቲ ቦታ ዝርዝር መረዳእታን ሰነድ ጨረታን ዘይምለስ 3000 ቅርሺ ብምክፋል ብኣድራሻ ኣብ ሰራሕ ሰዓት ምዕዳግ ዝከኣል ምካኑ ነፍልጥ

2 ሰነድ ጨረታ ካብ ከተማ ዓድዋ ኣድራሽ ካብ ሊዝ ጨረታ ኮሜቴ ኣብ ዝተጠቀሰ ዕለት ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትዕድጉ ትክእሉ ምካንኩም ነፍልጥ

3 ሰነድ ጨረታ መእተዊ እዋን ካብ 8/5/2017 ዓም ክሳብ 21/7/2017 ዓም ክሳብ 11፡00 ሰዓት ጥራሕ ይከዉን

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 21/5/2017 ዓም ሰዓት 11፡00 ይከዉን

5 ነዚ ቦታ ክርኢ ንዝደሊ ተጫራቲ በቤት ፅሕፈትና ኣብ ምልክታ መጠቀዒ ምርኣይ ይክእሉ

5 ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ድማ 22/5/2017 ዓም ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ኣበ ኣዳራሽ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓድዋ ኩሎም  ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይከዉን ናይቲ ጨረታ ዝርዝር መብርሂ ብሬደዩን ቴሌብዥንን ብተወሳኪ እዉን በቢቀበሊኡ ዝረከብ ኦፊስ ቦርን ቤት ፅሕፈት ምሕዳርናን አጠቃቅማን ትሕዝቶ መሬትን ካዳሰተርን ከተማ ዓድዋ መፂእኩም ምርኣይ ትክእሉ

6 ወፅኢት ጨረታ ዝግለፀሉ እዋን 30 /5/2017 ዓም ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ ይከዉን

7 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ አዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914813992 0936476265 0913735427