ዘገልገሉ ዝተፈላለዩ ዓይነት ንብረት ንምሻጥ ዝወፀ ናይ ጨረታ ምልክታ
ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕቲ ማይ ትግራይ ኣብ መቐለ ዋና ቢሮ ዒላላ ስቶርን ዝርከቡ ዘገልገሉ ንብረታት ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ። ስለዝኾነ ቐፂሎም ዝተዘርዘሩ መዐቀኒ ረቋሒታት ዘማልኡ ኣብቲ ጨረታ ኽሳተፉ ይዕድም።
1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ቫት ሰርቲፊኬት፣ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ሻት ዲክለሬሽን /ቫት ሪፓርት/ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል፡፡
2. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 50,000.00(ሓምሳ ሽሕ ብር) ብCPO ወይድማ ብባንኪ ጋራንቲ መልክዕ ከትሕዙ ኣለዎም።
3. ጨረታ ዝሰዓረ ተጫራታይ ናይ ውዕሊ መኽበሪ (Performance Guaranty) ካብ ዝሰዓሮም ንብረታት 10% ብCPO ወይም ባንኪ ጋራንት መልክዕ ከትሕዝ ዝኽእል ። እቱ ዝሰዓሮ ንብረት ብኪሎ ዝምዘን በዝሑ ኣቐዲምካ ዘይተጠቐሰ እንተኾይኑ ብጨረታ ኮሚቴ ብዝገመቶ ግምት ጠቕላላ 10% የትሕዝ።
4. ተጫረቲ ናይ ሕድሕድ ንመሸጣ ዝቐረባ ንብረት ዝገዝእሉ ዋጋ ብግልፂ ክቐርብ ይግባእ።
5. እቲ መወዳደሪ ዋጋ ብዘይካ በኪሎ ዝሽየጥ እቲ ዝተረፈ ብሎት ውድድር ስለዝኾነ ተጨራታይ ናይ ሕድሕድ ዋጋ ከቕምጥ ኣለዎ። ዋጋ ዘየቐመጠ ተጫራታይ ካብ ውድድር ወፃኢ ይኸውን።
6. ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰን ዘይሓወሰን ምዃኑ ብግልፂ ክቕመጥ ይግባእ። ተዘይኾይኑ ቫት ዝሓወሰ ከምዝኾነ ተገይሩ ይውሰድ።
7. ናይቲ ጨረታ ሰዓራይ ኣብቲ ጨረታ ንዝተዘርዘሩ ንብረት ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዚ ካብ መቐለ ዋና ቢሮ ወይ ካብ ዒላላ ስቶር ከልዕል ይግባእ ተዘይኣልዒሉ ቅድም ኢሉ ዘትሓዞ ገንዘብ ኣታዊ ተገይሩ እቲ ዝሰዓሮ ጨረታ ይስረዝ።
8. ተጫረቲ ካብ ታሕሳስ 18/2017 ዓ.ም ጀሚሩ ዘይምለስ ብር 200 እናኸፈለ ካብ ፋይናንስ ክፍሊ ክወስዱ ይኽእሉ።
9. ተጫረቲ ናይቲ ጨረታ ዋጋ ብፓስታ ብምእሻግ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ እስካብ ታሕሳስ 25/2017 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3፡00 ከእትው ይግባእ።
10. እቲ ጨረታ ታሕሳስ 25/2017 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3፡30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብዘለዉዎ ኣብ ዋና ቢሮ መአከቢ ኣዳራሽ ይኽፈት።
10. ተጫረቲ ንዝደለይዎ ተወሳኺ መብርሂ ብቑፅሪ ስልኪ 03 42 40 19 21 ምሕታት ይኽእሉ እዮም።
11. በዝሒ ናይቲ ንጨረታ ዝቐረበ ንብረት ክውስኽን ክቕንስን ከምዝኽእል ኣሚኑ ክሳተፍ ፍቓደኛ ዝኾነ።
12. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ንተወሳኺ ሓበሬታ ቀበሌ 07 ጥቓ መስፍን ኢንዳስትሪያል ስ.ቁ 0342401921 ምሕታት ይከኣል።