ምልክታ ግልፂ ጨረታ ኤሌክትሮኒክስ
ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ዝተፈላለዩ ኮምፕዩተራትን ተዛመድቲ ኣቁሑትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ነቲ ዝተቀመጠ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም፤
1. ተጫረትቲ በቲ ዘርፊ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ፣ናይ ቫት ተመዝገብቲ መረጋገፂ ምስክር ወረቀት፣ናይ ግብሪ ከፋሊ ምስክር ወረቀት (TIN) ፣ ኣብ ናይ መንግስቲ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምዃኖም ምስክር ወረቀት ኮፒ ጌሮም ከቅርቡ ዝኸእሉ፤
2. ተጫረትቲ ብር 10,000(ዓሰርተ ሽሕ) ናይ ጨረታ መኽበሪ ውሕስና ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ናይ ክፍሊት መአዘዚ (cpo) ብሽም ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ከትሕዙ ዝኽእሉ፡፡
3. ተጫረቲ ሓደ ኦርጅናልን ሓደ ኮፒን ዶክመንት ኣብ ዝተፋላለየ (ነንበይኑ) ፖስታ ብምዕሻግ ድሕሪኡ ኣብ ሓደ ዓብይ ፖስታ ዓሽጎም ብምቅራብ ናይ ድርጅቶም ማህተም ኣብ ሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ብንፁር ብምግባር ከቅርቡ ኣለዎም። ስፒኦ(cpo)ድማ ንበይኑ ፖስታ ተዓሽጉ ምስ መወዳደሪ ዶክመንት ተተሓሒዙ ክቀርብ ኣለዎ፤
4. ተጫረቲ ዋጋ ካብ ናይ ባዕልና ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ምምላእ ኣይከኣልን፤
5. ተጫረቲ ድሕሪ ሳዕን ምኽፋቱ ጨረታ ኣይሳተፍን ምባል ኣይፍቀድን ከምኡ ንዝብል ዘትሓዞ ትሕጃ ኣይምለሰሉን/ናብ ትካልና ኣታዊ ይከዉን ማለት እዩ/
6. ተጫረትቲ ዘይምለስ ብር 200.00(ኽልተ ሚኢቲ) ብምኽፋል ሰነድ ጨረታ ካብ መቐለ
ዋና ቤት ፅሕፈት ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ቢሮ ቁፅሪ:- 212 ክፍሊ ዕደጋን ፋይናንስን ምውሳድ ይኽእሉ።
7. ዝሰዓረ ተጫራታይ ሰዓራይነቱ ምስ ተነገሮ ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% (ዓሰርተ ፐርሰንት) መኽበሪ ውዕሊ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ናይ ክፍሊት መአዘዚ (cpo) ብሽም ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝኽእል፤
8. ዝሰዓረ ተጫራቲ ዝሰዓሮ ንብረት በቲ ዘቅረብናዮ ስፐስፊኬሽን መሰረት ኣብ ውሽጢ 7 ናይ ስራሕ መዓልቲ ናብ ትካልና ዋና ቢሮ ቀበሌ 16 ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዚ መፅዓንን መራገፍን ሓዊሱ ከረክብ ዝክእል።
9. እቲ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 18/04/2017 ክሳብ 26/04/2017 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ ሳዕን ጨረታ ዕለት 26/04/2017 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረትቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ትካልና ቢሮ ቁፅሪ-212 ይኽፈት:: ተጫረትቲ ብናይ ባዕሎም ድሌት ኣብ ስነ ስርዓት ምኽፋት ጨረታ እንተዘይተረኺቦም ትካልና ጨረታ ሰነድ ናይ ምኽፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::
10. እቲ ብተጫረትቲ ዝምላእ ዋጋ ቫት ሓዊሱ ብናይ ኢትዮጵያ ብር ይኸውን፤
11. ትካልና ካብ ብር 10,000 ን ልዕሊኡን ንዝግበር ናይ ንብረት ካብ ብር 3000 ን ልዕሊኡን
ንዝግበር ናይ ግልጋሎት ዕድጊታት 2%(withholding tax) ትካልና ባዕሉ ዝእክብ ምኻኑ ዝኾነ መቅረባይ ኣፍልጦ ክህልዎ ይግባእ፣
12. ናይ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ 15 መዓልቲ እዩ፤
13. ሰዓራይ ተጫራቲ ንዘቅርቦ ንብረት ናይ ሓደ ዓመት ውሕስና ብፅሑፍ ን ትካልና ይህብ
14. ትካልና ብድሌቱ ክሳብ 20% መጠን እቲ ጨረታ ክዉስኸ ይኽእል፤
15. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ
መሰሉ ሕሉው እዩ።
ኣድራሻና: ኣብ 16 ቀበሌ ኣዳነ ሓጎስ ህንፃ (ናይ ዶ/ር ማርቆስ ሆስፒታል ዝነበረ)
ቀዳማይ ደብሪ ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ንርከብ፤
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0967-568418/0967-557103 ምሕታት ይኽእሉ።