ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ንዘለዎኦ መካይን ግልጋሎት ፅገና ዝህቡ ጋራዥት ኣወዳዲሩ ከፀግን ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1. በቲ ዘርፊ ናይ 2017 ግብሪ ዝኸፈሉን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን፣ ናይ መቕረባይ መፍለይ ቁፅሪ /Tin number/፣ VAT ተመዝጋቢ ዝኾኑን ዲክለር ዝገበሩ፣ በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቐት መረጋገፂን ዝተሓደሰ ሕጋዊ ብቅዓት መረጋገፂ መረዳእታ ዘቕርብ፡፡

2. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ዝርዝር ኣቁሑት ካብ ቢሮና ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 110 ካብ ዕለት 15/04/2017 ዓ.ም ጀሚሩ 50 ቅርሺ ብምኽፋል ምውሳድ ይካኣል፡፡

3. ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 3000 /ሰለስተ ሺሕ ብር ብሲፒኦ / CPO/ወይ ብስርቲፋይድ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል /ትኽእል/።

4. እቲ ጨረታ ዕለት 15/04/2017 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 25/04/2017 ስዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ይዕፀዉ

5. ጨረታ ዕለት 25/04/2017 ሰዓት 4፡00 አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም አብ ዘለዉዎ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 109 ይኸፈት ፡፡

6. ፍቓዶም 4ይ ብርኪ /ደረጃ/ ዝኾኑ።

7. እቲ ግልጋሎት ውዕሊ ካብዝተኣሰረሉ ክሳብ ሰነ 30/2017ዓ/ም ዝወሃብ ይኸውን።

8. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

9. ተጫረቲ ሰነድኹም ንጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ኦርጅናልን ኮፒን ፈላሊኹም ንክተእትው ንሕብር።

10. ኣድራሻና ከባቢ ጥዕና ጣብያ መቐለ ፊትንፊት ፎቶደስታ ዝርከብ ህንፃ ኣብርሃም ደስታ ቀደማይ ደብሪ እዩ።

11. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 09-14-76-94-50 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል።