1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ 2016ን 2017 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ኮፒን ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ቲን ሰርተፊኬት ኮፒን ከቅርብ ዝክእል

3 ንተወሳኪ እሴት ታክስ /ቫት/ ዝተመዝገበ ቫት ምዝገባ ሰርትፊኬትን ናይ መስከረም 2017 ዓም VAT ድክለሬሽን ኮፒ ከቅርብ ዝክእል

4 በቲ ዘፈር ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበን ምካኑን ናይ ዘመኑ 2016 ን 2017 ዓም ዝተሐደሰ ምስክር ወረቀትን ኮፒ ከቅርብ ዝክእል

5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳሪይ ዝሰዓሮ ናይ ኤሌክትሪኒክስ ኣቅሑት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 ናይ ሰራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዓዝያ ናብ ቢሮ ስቶር ከፍሊ በቲ ዝተሐተተ እስፔስፊኬሽን መሰረት ከቅርብ ዝክእል

6 ናይ መኪና ጋራጅ ፍቃድ በመንገድ ትራንስፖርት ካብ ሳልሳይ ደረጃ ንላዕሊዝተዉሃቦ ክከዉን ይግባእ

7 ተጫራታይ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ዋናን ሐደ ቅዳሕን ነንበይኑ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ከቅርብ ዝክእል

8 ናይ መወዳደሪ ደከሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሽን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክክወን አይግባእ

9ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ምድብ ሐደን ክልተንንዘለዉ ዝርዝር ንብረታት ንሕድሕድ ዘይመለስ ብር 100 እናከፈልኩም ካብ ቢሮ ፋይንንስን ምትሕሕባር ሃፍትን ዳ/ዳሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ምም/ር ንብረት ቢሮ ቁፅሪ 19 ካብ ካሳብ 20/3/2017 ዓም ክሳብ 4/3/2017 ዓም ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ናይ ሰራሕ ሰዓት ብአካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይክኣል

8 ተጫራቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መከበሪ ንሕድሕድ ጨረታ ሎት ሐደን ብር 20000 : ንሎት ክልተ 10000 ብሽም ቢሮ ፋይናንስ ምትሕሕባር ሃፍትን / Bureau of finance & Resource Coordination /ብስፒኦ ወይ ሰርትፊይድ ቼክ ወይድ ማ ብጥረ ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይድማ ጨረታ ቅድሚ ምከፋቱ ከቅርብ ዝክእል

9 አቲ ጨረታ ዕለት 4/3/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:30 ቅ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 5:00 ቅ/ሰዓት ኣብ ቢሮ ፋይናንስን ምትሕሕባርን ሃፍቲ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 19 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይከፈት

10 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪ ብሙለእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

11 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን 20 % ክቅንስን / ክዉስን/ ይክእል እዩ

12 ሰዓራይ እቲ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ብበዓል ሞያ ትሔር ናይ ሞተርሳይክል ድማ ብኢንስፔክተር በዓል ሞያ መካኒክ ተፈቲሹ ትክክላኘነቱ ምስተረጋገፀ ጥታሕ ኣታዊ ይከዉን

13 ናይ ጋራጅ ሰዓራይ ዝፍለጥ ቴክኒካል 50 ሚእታዊ ፋይናንሻል 50 ሚእታዊ ይከዉን ሰዓራይ ዝኮነ ትካል ንሰለሰተ ዓመት ዉዕሊ እናተሐደሰ እቲ ግልጋሎት ዝህብ ይከዉን

ንዝበለፀ ሐበሬታ ሞባይል ቁፅሪ 0914775969 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል