ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ንዘለወኦ መካይን ግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መለዋወጢ ኣቁሑትን 1 ባትሪ መኪናን ክገዝእ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም፡

ተወዳደርቲ ከማልእዎም ዝግብኡ ነገራት

1. ናይ 2017 ግብሪ ዝኸፈሉን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን፣ በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይ መፍለይ ቁፅሪ /Tin number/፣ ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቐት መረጋገፂ ዘቅርብ፣ VAI ተመዝጋቢ ዝኾነ ድማ ሻት ዲክሌር ዝገበረሉ ዘቕርብ፡፡

2. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ስፐስፊኬሽን ካብ ቢሮና ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 110 ካብ ዕለት 17/03/2017ዓ.ም ጀሚሩ 50 ቅርሺ ብምክፋል ምውሳድ ይካኣል፡

3. ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 3000.00 /ሰለስተ ሽሕ ብር/ ብሲፒኦ/CPO/ ወይ ብሰርቲፋይድ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል /ትኽእል/፡፡

4. እቲ ጨረታ ዕለት 17/03/2017 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 27/03/2017 ስዓት 3፡30 ይዕፀዉ፡፡ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡00 አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም አብ ዘለዉዎ አብ ቢሮ ቁፅሪ 109 ይኸፈት ፡፡

5. ነቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ 7 መዓልቲ ዘረክብ።

6. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺ ብሙሉእን ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝን፣ እቲ ንብረት አድላይ ኾይኑ እንተተረኺቡ 20% ናይ ምዉሳኽን ናይ ምቕናስን መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

7. ተጫረቲ ሰነድኩም ንጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ኦርጅናልን ኮፒን ፈላሊኹም ንክተእትዉ ንሕብር።

8. ኣድራሻና ከባቢ ጥዕና ጣብያ መቐለ ፊትንፊት ፎቶ ደስታ ዝርከብ ህንፃ ኣብርሃም ደስታ ቀደማይ ደብሪ እዩ፡፡

9. ንተወሳኺ ሓበሬታ ስልኪ ቁፅሪ 09-14-76-94-50 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል፡፡