ጨረታ ምልክታ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ክፍለ ከተማ ኲሓ ንዝተፈላለያ ኣብያተ ፅሕፈት ክ/ከተማና ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ቢሮ ኣቑሑት ማለት እውን _ ፅሕፈት መሳርሒ፣ኤሌትሮኒክስ፣ፅሬት ኣቁሑት ሕትመትን ፈርንቸርን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

በዚ መሰረት ነዞም ዝስዕቡ ረቋሒታት /መዐቀንታት/ እትማልኡ ተጫረቲ ክትወዳደሩ ንዕድም።

1. ናይ 2017ዓ/ም ንገዲ ፍቃድ ዝተሓደሰን ግብሪ ዝኸፈለን።

2. መለለይ ግብሪ መኽፈሊ ቁፅሪ /ቲን ናምበር/ ከቅርብ ዝኽእል።

3. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቕረባይነት ከቕርብ ዝኽእል።

4. ጨረታ ምልክታ ካብ ዝውዕአሉ ዕለት 10/03/2017 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 24/03/2017 ዓ/ም ሰዓት 11፡30 ሰነድ ጨረታ ዓዲግካ ምውሳድ ዝካኣል ኮይኑ ክሳብ ዕለት 25/03/2017 ዓ/ም ናብ ዝተዳለዎ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ በምግባር ሰዓት 4፡00 ተዓሽጉ ብተመሳሳሊ ዕለት ም ሰዓት 4፡30 ተጫራታይ ወይክዓ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት

5. ተጨረቲ ናይጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ዕሕፈት መሳርሒ ፣ ኤሌትሮኒከሰ ፣ ፈርንቸርን 15,000.00 ንዕሬት ኣቁሑትን ሕትመትን ብር 3000.00 ብናይ CPO ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይከዓ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል ናይ ጨረታ ሰነድ መግዝኢ ብር 100 ዘይምለስ ይኸውን

6. ተጫረቲ ዘድሊ ናይ ጨረታ ሰነድ ነንበይኑ ብምእሻግ ኦርጅናል ኣብ ሓደ ፖስታ፣ኮፒ ኣብ ካሊእ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ዝተዳለወ ሳንድቕ ምእታው ይካኣል

7. ፅሕፈት መሳርሒ ፣ ኤሌትሮኒክሰን VAT ዝተመዝገቡ ጥራይ ኮይኖም ንካልኦቶምግን ንኩሉም ተወዳደርቲ ዝሓወሰ ኮይኑ ንቫት ተመዝገብቲ ናይ ወርሒ መስከረም ዲክለረሽን ከቅርብ ዝኸእል

7. ተጫረቲ ወይ ከዓ ሕጋዊ ወኪላት ብዘይ ምቅራቦም ስነ ስርዓት ምኽፋት ጨረታ ኣይተኣናቐፍን ወይ ከይተኸፈተ ዝምለስ ሰነድ ጨረታ ኣይህሉን።

8. ናይ ተጫረቲ ሽም፣ ኣድራሻ፣ስልኪ ቁፅሪ፣ክታምን ማሕተምን ክዓርፎ ኣለዎ እንተዘይኮይኑ ግን ካብቲ ውድድር ወፃኢ ይኸውን።

9. ተጫራቲ ጨረታ ዝሰዓረ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ሕጋዊ ውዕሊ ክኣስርን ናይ ውዕሊ መኽበሪ 10% ብዝተረጋገፀ CPO ከትሕዝ ዝኸእልን ውዕል ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ንብረት ኣታዊ ክገብር ኣለዎ።

10. ቤት ፅሕፈትና ክሳብ 20% ናይ ምውሳኽን ምቕናስን መሰሉ ሕሉው እዩ።

11. ኩሎም ዕድጊታትና በቲ ዝወፀ ስፐስፍኬሽን መሰረት ከቕርብ ዝክእል ክኸውን ኣለዎ።

12. ትራንስፖርት ዝምልከት ባዕሉ ሰዓራይ ኣካል ዝሽፍን ኮይኑ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከፍለ ከተማ ኩሓ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ንብረቱ ኣታዊ ይገብር።

13. ቤት ፅሕፈትና ዘሐሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ ብከፊል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው

እዩ።

15. ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914888930/0914748829 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል