ኣብዚ ከትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ክተማልእዎም ዘለኩም ረቀሕታት ዝስዕብ ይከዉን ናይ
- 2007 ዓም ግብሪ ዝከፈለ
- ናይ 2008 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን
- ናይ ወርሒ ለካቲት ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእልን
- መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ማለት እዉን ቲን ነምበር ናይ መቅረባይ ምስክር ወረቀት ዝተሓደሰ ከቅርብ ዝክእል
- ናይ ስርሕቲ ህንፃ ኮንስትራክሽን ስራሕ ፍቃድ ክተቅርቡ እትክእሉ
- ብናይ ባዕሉ ካብ ጠቅላላ ወፃኢ ዓርሱ ዝክእል ማለት እዉን ነዳዲ በዓል ሞያ ኦፕሬተር ካልእዉን ኣብቲ ሰነድ ይመልከቱ
- ከይዲ ጨረታ ብዘይአግባብ ንመዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሕትትን ጨረታ ከይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዘስዕበን ምካኑ ክፈልጡ ይግባእ
- ንነፍስወከፍ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 70 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍሊ ቁፅሪ 20 ክትወስዱ ትክእሉ
- ነፍስወከፍ ሰነድ ጨረታ እንትምላእ ሽም አድራሻ ፊርማ ማሕተም ክዓርፎ አለዎ
- መክበሪ ጨረታ ንነፍስወከፍ ሰነድ 3000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል
- ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ዝልቀቀሎም ሰዓራይ ዉዕሊ ምስኣሰረ ይከዉን
- ሰዓራይ ዉዕሊ ክኣሰር ከሉ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 5% ከትሕዝ ዝክእል ተቀባልነት ብዘለዎም ካብ ዝተፈለጡ ትካል መድሕን ዝቀረበ ኮይኑ 20% ኣብ ኩነታት ዉሕስና ዝተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና እንተኮይኑ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ 10% ከትሕዝ ዝክእል
- እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ምስተከፈተ ከምአድላይነቱ ዝስራሕ ፕሮጀክት ክሳብ 20 % ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል
- ጨረታ 28 ሚያዝያ 2008 ዓም ዝዕፀወሉ ሰዓት 4 ፡30 ዝክፈተሉ ድማ ኣብዚ ዕለት ሰዓት 5፡00 ይከዉን
- እቲ ሰነድ እንትምላእ ዝርዝ ድልዝ እንተሃሊዎ ፊርማ ክዓርፎ አለዎ
- ኣብ ስራሕቲ ህንፃ ኮንስተራክሸን ዝሳተፉ ናይ ባዕሉ ዶዘር ማሽን ዘለዎ ሕጋዊ ፍቃድ ዝሓዘ ወይድማ ዉክልና ዘለዎ ክከዉን አለዎ
- እቲ ቤት ፅሕፈት ነዚ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
- ሰነድ ጨረታ ዋናን 2 ቅዳሕን ነንበይኑ ተዓሺጉ ክቀርብ አለዎ
- ሰዓራይ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 10% ዉዕሊ መክበሪ ከትሕዝ ዝክእል
- ናይ ዝቅረብዎ ዓይነት ንብረትን ንግዲ ፍቃድን ዋናን 2 ቅዳሕን ከቅርቡ ይግባእ
ንተወሳኪ ሓበሬታ 0344320094 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል