1 ናይ ዘመኑ ማለት እዉን ናይ 2016 ን 2017 ዓም ዝተደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ብቅዳሕ አታሓሒዝኵም ክተቅርቡ እትክእሉ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኩምን ብቅዳሕ አታሓሒዝኵም ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ናይ ዘበኑ ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘለኩምን ብቅዳሕ አታሓሒዝኵም ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ዝተዉሃቦ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምስክር ወረቀት ብቅዳሕ አታሓሒዝኵም ክተቅርቡ እትክእሉ ናይ ወርሒ መሰከረም 2017 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ቅዳሕ ገይሩ ከቅርብ ዝክእል

5 ሰነድ ጨረታ ካብ 20/2/2012 ዓም ክሳብ 5/3/2017 ዓም ብተከታታሊ መዓልቲ ኣብ ዘሎ እዋን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምዳር ፋይናንስን ወረዳ አስገደ ኣብ ከተማ ክስድ ገባ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ብምክድ ዘይምለስ 100 ቅርሺ እናከፈልኩም ክሳብ ዕለት 5/3/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ክትወስዱ ትክእሉ ኢኩም

5 ጨረታ 5/3/2017 ዓም ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ መዓልቲ ሰዓት 5:00 ቅደሚ ቀትሪ ባዕሎም ወይድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

6 እቲ ሰነድ ጨረታ በቲ ኣብ ምልክታ ዝተገለፀ መሰረት ኣማሊኡ እንተተረኪቡ ተጫራታይ ብዘይምህላዉ ንምክፋት ዝዓግቶ ነገር የለን

7 መከበሪ ጨረታ ንመሳርሒ ፅሕፈት16000 ቅርሺ : ንኣቅሑት ፅሬት 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

8 ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ምኮኑ ምስተገለፀ በቲ መምርሒ መሰረት ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

9 ዋጋ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ንተከታተልቲ 35 ማዕልቲታት ይከዉን

10 ቤት ፅሕፈት ዝተዘርዘሩ ዓይነት ንብረታት 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክንኪ ይክእል እዩ

11 ሰነድ ጨረታ ብንፁር ዝንበብን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ናይ ባዕሎም ፊርማን ማህተምን ኣብ ሕድሕድ ገፅ ብምግባር ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ

12 ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሐበሬታ 0914743063 / 0914699409