ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንሰን ከተማ ዓ/ዓዲ ኣብ በጀት 2017ዓ/ም ናይ 1ይ ጡሙር ዕድጊት ንከተማ ዓ/ዓዲ ግልጋሎት ዝ ውዕል ናይ ፅሬት ኣቁሑትን ፅሕፈት መሳርሒን ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይድሊ
በዚ መሰረት ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ መቅረብቲ በዚ ዝስዕብ መሰረት ንክትወዳደሩ ንዕድም
• ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን ናይ 2016ዓ/ምን 2017 ዓ/ም ዘሐደኩም
• እቲ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ሕጋዊ ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ
• ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ/ቫት/ ኮይኖም ናይ ነሓሰ 30/2016 ዓ/ም ሪፖርት ዝገበሩሉ ዋንኡ ምስ ሓደኮፒ ከቅርብ ዝክእል
• ናይ መቅረባይነት መለለይ ካርዲ ዘለኩምን ዘሐደኩምን
• ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ካርዲ / TN / ዘለኩም
• ናይ ፅሬት መሳርሒ 3000 CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ክትሕዝ ዝክእል
• ፅሕፈት መሳርሒ 16000 CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል
• ንሓደ ደኩመንት ዘይምለስ 200 ብር ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስ ከተማ ዓ/ዓዲከይዲ ስራሕ ፅፋ ንምምሃር ክፍሊ ብምግዛእ ክረት ዝክእል
• ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅ/ት ትፋይናንስ ከተማ ዓ/ዓዲ ምልክታ ካብ ዝተጠቀዐሉ ዕለት ጀሚሩ ብምውሳድ ናይ መወዳደሪ ዋጋኩም ብምምላእ ኩሎም ዝተጠቀሱ ኣድለይቲ ዶክሜንት ኮፒን ኦርጅኖልን ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰነድ ጨረታን ዝተዓሸገ ፖስታን ናይ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማ ብምፅሓፍ ኣብ ቤት ፅ/ት ት/ፋይናንስን ከተማ ዓ/ዓዲ ዝተዳለወ ሳንድቅ ንክትእእውን ንክትወዳደሩን እናተሓሳሰብና
• ምልክታ ኣብ ኣየር ዝፅንሐሉ ካብ ዕለት 25/01/2017 ዓ/ም ክሳብ 05/ 02 /2017 ዓ/ም ናይ ንጉሆ 4፡30 ሳንድቅ ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 05/ 02 /2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡30ንጉሆ
• ሳንድቅ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 05/ 02 / 2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡40ንጉሆ
እቲ ጨረታኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ይካየድ
እቲ ዝስዓርኩምዎ ዝርዝር ንብረት ናብ ቤት ት/ፋይናንስን ከተማ ዓ/ዓዲ ናይ መጓዓዝያ ሓዊሱ ዛቅርብ
• ቤት ፅ/ትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉ እወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መስሉ ዝተሓለወ እዩ
• ስዓራይ ካብ ዝተነገረሉ አብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ካቅረብ ዝክእል
• ኣብቲ ዝወፀ ስፔስፌክሽን ወይ መግለፂ ምንክካእ ውይ ምቅያርን ምስራዝ ኣይፍቀድን
• ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪታት ስልኪ 0914754301/0914120820/0914242030/0914747125
NB -- ኣድራሻና 03 ቀበሌ ዓ/ግዲ ኣብ ናይ ከተማ ምም/ር ህንፃ