ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስተራክሽን ክልል ትግራይ

ንካልኣይ ጊዜ ዝወፀ ምልክታ ፕሮፎርማ ነሓሰ - 2016 ዓ.ም

ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ክልል ትግራይ ኮምፒተርን ተዛመድቲን ዕገና ግልጋሎት ንምርካብ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ናይ ዓመት ውዕሊ ክአስር ይደሊ፡፡

በዚ መሰረት እዚ ዝስዕብ ረቛሒ እተማልኡ ክትወዳደሩ ንዕድም

• በቲ ዘርፊ ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ፣ መቕረባይነት ክተቕርቡ እትኸእሉ፡፡

• ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ቲን ክተቕርቡ እትኽእሉ፡፡

• ተጫረቲ ሰነድ ፕሮፎርማ ካብ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ሓበራዊ ህንፃ 1ይ ደብሪ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንሰን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 59 ካብ ዕለት 27/12/2016 ብምውሳድ ዋጋ መሊእኹም ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ ዕለት 30/12/2016 ስዓት 3፡00 ናብ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 59 ዝተዳለወ ሳፁን ኣታዊ ክትገብሩ ትኽእሉ፡፡ እቲ ፕሮፎርማ ስዓት 3፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 3፡30 ይኸፈት፡፡

• እቲ ጨረታ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን7' ናይ ስራሕ መዓልቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሕ ይኸውን፣

• እዚ ፐሮፎረማ ኣብ መንጎ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንሰትራክሽንን መቕረባይን ከምውዕሊ ኮይኑ የገልግል፡፡

• ስዓራይ ምዃንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም ኣብ ውሽጢ 3 ስራሕ መዓልቲ ኮምፒተርን ተዛምድቲን ዕገና ንምግባር ናይ ዓመት ውዕሊ ዝአስር፡፡

• ቢሮና እቲ ፕሮፎርማ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-42-40-01-29 ምሕታት ይከኣል፣፣