ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ

ፕሮፎርማ ቑፅሪ 02/2016

ዝወፀ ምልክታ ፕሮፎርማ ዝርዝር ተደላይ ዝመልእዎ መወዳደሪ ነፀላ ዋጋን ዘርኢ ብነጋዶ ዝምልኣ ሰደቓ

ንቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ግልጋሎት ዝውዕሉ ትርጉምን ሕትመት ጋዜጣን(ምእውጅን ምምፅኣን )ዝወፁ ብፕሮፎርማ ክግልገል ይደሊ። በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቋሒታት እተማልኡ ክትሳተፉ/ፋ ትኽእሉ/ላ ምኻንኩም ንገልፅ፡፡

➢ በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ ፣

➢ ናይ ግብሪ ከፈላይ ቁፅሪ/TI/ ዘለዎ ምኻኑ መረዳእታ ዘቕርብ ፣

➢ ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት መረዳእታ ከቕርብ ዝክእል፡፡

➢ ምልክታ ፕሮፎርማ ካብ ዝተለጠፈሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ናብ ቢሮ ፍትሒ ብምቅራብ ንግዳ ፍቓድኹም፤ ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁፅርኹምን ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐትኩምን ኮፒ ብሙሉእ ክትገብሩዎ ነተሓሳስብ፡ ምስ መወዳደሪ ዶክመንትኹምን ብምትሕሓዝ ክትወዳደሩ ትኽእሉ ምኳንኩም እናገለፅና መወዳደሪኹም ሽምን ፊርማን፣ ኣድራሻን ናይ ትካልኹም ማህተምን ብምግባር ዝተዓሸገ ፖስታ ካብ ዕለት 27/12/2016 ዓ/ም ክሳብ 29/12/2016ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ድ/ሰዓት ተዓፅዮ እቲ ፕሮፈርማ ዕለት 29/12/2016 ዓ/ም ሰዓት 9፡00 ድ/ሰዓት ኣብ ቢሮ ፍትሒ ክ/ትግራይ ዳ/ዕ/ፋ/ንብረት ምምሕዳር ቢሮ ቑፅሪ 317 ይኽፈት።

➢ ቢሮና ኣብ ዘዳለዎ ናይ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒ ክምላእ ይግባእ፡፡

➢ ኣብ መንጎ ሰዓራይ ትካልን ቢሮ ፍትሒ ክ/ትግራይ ከም ሕጋዊ ውዕሊ ኮይኑ ከም ዘገልግል ክትፈልጡ ይግባእ።

➢ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ፕሮፈርማ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

➢ ሰዓራይ ሰዓራይ ምካኑ ምስተገለፀሉ ኣብ ውሽጢ _3‛መዓልቲ ጋዜጣን ትርጉም ምምፅኣን ምእወጅን ውዕሊ ከኣስር ዝክእል

➢ ኣብ ናይ መንግስቲ ዕደጋ ከይወዳደር ብቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ዝተኣገደ ክሳተፍ የብሉን፡፡

ዝወፀ ምልክታ ፕሮፎርማ ዝርዝር ተደላይ ነጋዶ ዝመልእዎ መወዳደረ ነፀላ ዋጋን ዘርኢ ሰደቓ ጋዜጣን ትርጉም ምምፅኣን ምእወጅን


ተ.ዝርዝር ስራሕቲ ከሱ ብሓደ (ትርጉም)ጋዜጣ ምአውጅን ምምዛአዝርዝር መፍለይ ቁፅሪ (ድሌት ስራሕ)(ፅሑፍ)መለክናይ ሓደ ገፅናይ ሓዊ ዋጋጠ/ዋጋ
ብርብር
1ኣዲስ ዘመን ጋዜጣ ምአጠጅን ምምፃእንብፅረት ብግዚኡ ምርካብብገፅ01

2

ሄሬስድ ጋዜጣን ምንጠጅን ምምፃእንብፅረት ብግዚኡ ምርካብብገፅ01

ሽም፡

ፌርማ

ዕለት-

ስልኪ ቑፅሪ

ምስ ሰላምታ

ፈፃሚ ኣካል ዕደጋ

ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ