ናይ ኣርሚ 60 መካናይዝድ

ቑፅሪ ፕሮ/ማ _001 /17

ዕለት 23/12/16 ኣ/ግአዝ

ናይ ጨረታ ምልክታ

ኣብ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ገ/ምም/ር ትግራይ ናይ ኣርሚ 60 መካ/ድ ንሰራዊት ቀስብ ዝውዕስ ፅረቱ ዝሓለወ ባኒ/ዳቦ/ብናይ ተወዳደርቲ ዝተማለአ ናይ ባኒ ማሽን ንዘስዎም ብጨረታ ኣወዳዲሩ ግልጋሎት ክረክብ ስስዝደስየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተጠቐሱ ዝርዝር ረቛሒታት ንተማልኡ ሕጋውያን መቕረብቲ/ግልጋሎት ወሃብቲ/ትካላት ንክትወዳደሩ ብክብሪ ይዕድም፡፡በዚ መሰረት፦

ተጫረትን መጫረትን ከማልእዎ ዝግባእ

ሀ. ብወገን ተጫረትቲ ክማላእ ዘስዎ ረቛሒ፡-

• ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘስዎን መቕረባይነት ደብተር ዘስዎ፣ናይ ግብሪ መክፈሲ መስስይ ቲን ቑፅሪ ዘስዎን ኮፒ ኣብ ፖስታ ውሽጢ ገይሩ ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝኽእል።ብተወሳኺ ካልኦት ጠቐምቲ መረዳእታታት ተወሲኾም ኣብ ፖስታ ተዓሽጎም ክቐርቡይኽእሱ፤

• እዚ ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐስ ጊዜ ካብ ነሓሰ 23-30/12/2016 ኣ/ግእዝ ኾይኑ ጨረታ ዝክፈተሱ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ከዓ ሕጋዊ ወኪላት ኣብቲ ዝተረኸበሉ በቲ ዕስት 30/12/2016 ኣ/ግእዝ ልክዕ ሰዓት 3፡45 ተዓፂዩ በቲ ዕስት ሰዓት 4:00 ቅ/ሰዓት ኣብ ከተማ ዓ/ዓዲ ናይ ኣርሚ 60 መ/ድ ዘ/ፋይናንስ ቢሮ ይክፈት፤

• ኣብቲ ጨረታ መወዳደሪ ቅጥዒ ማህተም ብምግባር ኣብ ፖስታ ውሽጢ ኣተሓሒዙ ከቕርብ ዝኽእል፤

• ኣብዚ ቅጥዒ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኾይኑ ካብ ውድድር ወፃኢ ይኸውን፤

• ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 5,000 /ሓሙሽተ ሺሕ ብር/ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል፤

• ተጫራታይ እቲ ጨረታ ምስ ተኸፈተ ንባዕሉ ካብቲ ጨረታ እንተገሊሱን ሰዓራይ ጨረታ ዝሰዓረ ምኻኑ ድሕሪ ምገላፅ ኣብ ውሽጢ 5 (ሓሙሽተ) ተኸታተልቲ መዓልታት ብኣካል ቐሪቡ ውዕሊ እንተዘይኣሲሩ ብተጫራታይ ንጨረታ መኽበሪ ዝተተሓዘ ጥረ ገንዘብ ናብ ኣርምና ኣታዊ ይኸውን።

• ተጫረቲ ሰዓራይ ምዃኑ ምስ ተፈስጠ በቲ መምርሒ መሰረት ሕጋዊ ውዕል ኣሲሩ አቲ ዘቕርቦ ናይ ባኒ ማሽን ዝተማልኣ ናይ መምረቲ ኣቑሑት ዘስዎ ኾይኑ እቲ ማሽን ኣብ ውሽጢ 20 መዓልቲ ኣብ ከተማ ዓ/ዓዲ ከተክል ዝክእል፤

• ጨውን መባኽዕቲ/ሲቪቶ/ናይ ባኒ መምዘኒ ሚዛን፡ናይ ቢሑቅ ዝቑረፂ ማሽን ከቕርብ ዝኽእል፣ናይ ሰራሕተኛታት ጋቦን ፅረቱ ዝሓስወ ከቕርብ ዝኽእልን ብዝተወሃቦ ፕሮግራም መሰረት ከይኣቛረዘ ኣብ ሰዓቱ ንሰራዊት ብፅረት ከቕርብ ዝኽእል፤ከምኡ እውን ናይ ባኒ ሰራሕተኛ፣ናይ መብራህትንና መፃኢ ባዕሉ ክኽሕስ ዝኽእል፤

• ብኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ናይ ባኒ ማሽንን መብኩዕን ዘስዎን ብመዓልቲ ናይ ምምራት ዓቕሙ ካብ 14,000 ሽሕ ንላዕሊ ባኒ ከምርት ዘክአስን፤ አኹል ዓቕሚ ጀነሬተር ዘስዎን መብራህቲ እንትጠፍእ ብናይ ባዕሉ ነዳዲ ዝሰርሕ፣

• በቲ ዝቐረበሱ ሕሩጭ መሰረት ካብ ሓደ ኩንታል ፊኖ 1,050 ባኒ ፅሬቱ ዝሓስበ ከምርት/ከቕርብ/ ዝከሰ፤

• በዚ መሰረት ዝተዳስጠ ሰነድ ጨረታ ካብ ኣርሚ 60 መ/ድ ዘ/ፋ/ክፍሊ ዕደጋን ብተወሳኪ ድማ ኣብ ከተማ መቐስ ዝርከብ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክፍሊ ዕደጋ ምልክታ ካብ ዝወፀሱ ዕስት ጀሚሩ ምውሳድ ከም ዝኽእሱ፤

ለ. ብወገን መጫረቲ ክምላእ ዘስዎ

1. ነቲ ባኒ ዘድሊ ወርሓዊ ሕሩጭን ዘይትን ምቕራብ በብወርሑ ባኒ ዝጥቐም ሓይሊ ሰብ ብእዋኑ ምፍላጥ፣

2. ዝተሰንከተ ባኒ ቆፂሩን መዚኑን ይርከብ

3. ዝተመረተ ባኒ ብናይ ባዕሱ መኪና ናብ ኣሃዱታት ናይ ምክፍፋልን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ክፍሊት ምክሩስ።

➢ ኣርምና ዝሓሸ መማረፂ አንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሱስ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሱ ዝተሓስበ እዩ።

ዝርዝር ናይ ባኒ ዝምልከት

ተ/ቁዝድለ ዓይነት ባኒስፔስፊኬሽንመለክዒበዝሒናይ ነፀላ ዋጋመብርሂ
ብርሳን
1ፅረቱ ዝሓስበ ፣ዝበሰለን ዘይተቃዘስን ባኒ ምቕራብሓደ ባኒ 115 ግራም ኾይኑ መዚኑ ከቕርብ ዝኽእልብቑፅሪ01

መብርሂ፦ አቲ ባኒ ዝምረት ብዘስና ሓይሊ ሰብ መሰረት ኾይኑ ብመዓልቲ ንውልቀ ሰብ ዝበፅሖ በዝሒ ባኒ ብ07/ ሸውዓተ ባኒ/ ተባዝሑ ዝስራሕ ይኸውን።

✓ ኣርምና ከም ኣርሚ ደረጃ ናይ ቦታ ስውጢ ዝገብር እንተኾይኑ ምሳና ክኸይድ ዝኽእል ክኸውን ኣስዎ።

➢ ኣድራሻ: ኣርሚ 60 መካ/ድ ዘ/ፋይናንስ ኣብ ከተማ ዓ/ዓዲ ኣብ ጥቓ ማረት/ቐበሊ 02/ዝርከብ ህዝባዊ ሳይብረሪ

➢ ንዝበለፀ ሓበሬታ፡ ብቑፅሪ ስልኪ 0914-857594/0910-338538 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል።

ምስ ሰላምታ