ደደቢት ትካል ልቓሕነ ምዕቓሪን/ደደቢት ትፍልም/

ዕለት/Date 19/08/2024

ቑፅሪ/Refo. 10724/47/03/10/2024

ምልክታ ጨረታ

ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ዝተፈላለዩ ዓይነት ማህተም ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ሲዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ረቋሒታት እተማልኡ ትካላት ንክትወዳደሩ ይዕድም።

1. ተጫረቲ ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ / ከቕርቡ ዝኽእሉን ከምኡ እውን

ናይ 2016 ዓ.ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም፣ ቫት ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ እትኽእሉን፣

2. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ ካብ 2% ዘይነኣሰ ናይ ጨረታ መኸበሪ ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ።

3. ዝርዝር ጨረታ ዝሓዘ ዶኩሜንት ካብ ዕለት 13/12/2016 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት

ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ካብ ጨንፈር ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ መቐለ ቁ.2 ብር 200.00 /ክልተ ሚኢት ብር ጥራሕ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፣

4. ናይ ጨረታ ደኩመንት ብፖስታ /ሽምዒ/ ዝተዓሸገ ኾይኑ ሰነድ ጨረታ ናብ

ሳንዱቕ ጨረታ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 13/12/2016 ዓ.ም እስካብ ዕለት 27/12/2016 ዓ.ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ኮይኑ ሽዑ ንሽዑ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓዕዩ በቲ ዕለት ልክዕ ስዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ወኪላት ኣብ ዝተረኸብሉ ብኣባላት ጨረታ ኮምቴ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ክፍሊ ፋይናንስ ይኸፈት። ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላት ብኣካል ክርከቡ ዝምረፅ ኮይኑ እንተዘይተረኸቡ እውን እቲ ዝኣተወ ናይ ጨረታ ሰነድ ኩሉ ዝኽፈት ይኸውን።

5. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና /unconditional Performance bond/ ከትሕዝ ዝኽእል፣

6. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተገለፀ ኣብ ውሽጢ ተኸታተልቲ 5 መዓልትታት ናብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ዋና ቢሮ ቐሪቡ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ።

7. ተጫረቲ ትካል ካብ ዘቕረቦ ናይ ጨረታ ሰነድን ስፔስፊኬሽንን (ሳምፕል) ወፃኢ ከቕርቡ ኣይፍቀድን ከምኡ ድማ ካብ ትካል ዝተገዝኡ ሰነዳትን ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ዝከፈልሉ ቅብሊት ከቅርቡ ይግባእ።

8. ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

9. ተወሳኺ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 307 ብኣካል ብምቕራብ ምርካብ ይካኣል እዩ፡፡