ቢሮ ትራንስፖርትን መራከቢን ትግራይ

ፕሮፈርማ ቁፅሪ-2 2017 ዓ/ም

❖ ቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ክልል ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝውዕል

1. ናይ ፈርኒቸር ፅገና ግልጋሎት ሎት-1

2. ናይ ኤሌክትሮኒክስ ናውቲ ፅገና ግልጋሎት ሎት-2

3. ናይ መኪና ሕፅበት/ላቫጆ/ ሎት-3 ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ኣብዚ ፕሮፈርማ ክትወዳደሩ ትደልዩ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ በቲ ኣብ ታሕቲ ዝተገለፀ ረቛሒ መሰረት ንክትወዳደሩ ይዕድም።

❖ ናይ ዘመነ 2016/2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ፣ምስቲ ንግዲ ፍቓድ ዝመሳሰል ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቑፅሪ ሰርተፊኬት (TIn) ዘለኩም ፣ዝተሓደሰ መቕረባይነት ሰርተፊኬት ዘለኩም።

❖ ናይዚ ፕሮፈርማ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም ናይ ዝሰዓርኩምዎ ግልጋሎት ካብ ዝግለፀልኩም እዋን ጀሚርኩም ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ መፂእኽም ንሓደ ዓመት ውዕሊ ክትኣስሩ እትኽእሉ።

❖ ነጋዶ ናይ መወዳደሪ ደኩሜንትኹምን ናይቲ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒን ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብግልፂ ዝርአ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ /ፖስታ ንቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ዕደጋ፣ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 171 ካብ ዕለት 06/12/2016 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 09/12/2016 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ኣብ ዘሎ ግዜ ክተቕርቡ እትኽእሉ።

❖ እቲ ፕሮፈርማ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት 09/12/2016 ዓ/ም ሰዓት 4፡30 ኣብቲ ዝተገለፀ ቢሮ 3ይ ደብሪ ቑፅሪ 171 _ ስለ ዝኽፈት መፂእም ክትሳተፉ ትኽእሉ።

❖ ናይቲ ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዋጋ ልዕሊ 3,000.00/ሰለስተ ሽሕ ብር /እንተኾይኑ ቫት ዝተመዝገብኩም ሻት 7.5 % ኣብቲ ቢሮ ተቖሪፁ ዝተርፍፉ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ።

❖ ተወዳደርቲ ዘቕረብዎ መወዳደሪ ከም ውዕሊ ኮይኑ ከም ዘገልግል ክፈልጥዎ ይግባእ።

❖ እቲ ፕሮፈረርማ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀነሐሉ ግዜ ፕርፎርማ ካብ ዝኽፈተሉ ዕለት ን7ተ ንተኸታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸዉፅ።

❖ ቢሮና ነቲ ፕሮፈርማ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉውእዩ።

ቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ክልል ትግራይ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ +251914222506/ +251914759607 ደዊሎም ክሓቱ ይኽእሉ።