ቑዕሪ ደ/ከ/ስ/ዕ/ምም/ን/001/2016

ዕለት፡- 01/12/2016 ዓ/ም

ናይ ፕሮፎርማ ዕደጋ ፃውዒት

ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ንብረት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ሕጋዊያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም፡

ናይ _ ፅሬት ኣቑሑት

90

ተ.ቑመፍለይዝርዝር ንብረትመለክዒበዝሒነፀላ ዋጋጠቕላላ ዋጋመብርሂ
1sampleኦሞ 100 ግራምቑፅሪ960
2sampleናይ ክዳን ሳሙና 250 ግራምቑፅሪ480
3sampleሶፍትቑፅሪ625
4sampleሶፍትቑፅሪ100
5sampleፍኒትቑፅሪ90

1. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ቦታ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን

2. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ጊዜ፡ ክሳብ ዕለት 03/12/2016 ሰዓት 10፡00 ድሕሪ ቐትሪ

3. ተወዳዳሪይ ስዓራይ ምዃኑ ናይ ዕደጋ ትእዛዝ ምስተውሃቦ ኣብ ውሽጢ 5 ̊ መዓልቲ ከቕርብ ግዴታ ኣለዎ፡፡ ኣብቲ ዝተጠቐሰ ግዜ ከቕርብ ዘይከኣለ ተወዳዳሪይ ካብዚ ትካል ናይ ዕደጋ ስራሕቲ ከምኣድላይነቱ ይእገድ ።

4. ተወዳዳሪ ኣግባብነት ዘለዎ ብግልፂ ዝንበብ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ ፣ ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቑፅሪ ፣ ናይ ንግዲ ዘርፍን ( መቕረባይ ) ካሊእ ኣድላይ መረዳእታን ዘቕርብ፤

5. ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ብናይዚ ትካል ዝወፀ ሰነድ ክኸዉን ይምረፅ ፣ ብናይ ባዕሎም ሰነድ እንተመሊኦም ግን ምስቲ ናይ ትካልና ዝወፀ ሰነድ ፕሮፎርማ ሓደ ዓይነት ክኸዉን ኣለዎ ።

6. እዚ ናይ ፕሮፎርማ ዕደጋ ምልክታን ብተወዳደርቲ ዝቐርብ ናይ ፕሮፎርማ ዋጋ ዝሓዘ ሰነድን ኣብ መንጎ ገዛእን ሸያጥን ከም ውዕሊ ኮይኑ ይሰርሕ

7. ስዓራይ ዝኾነ ተወዳዳራይ እቲ ንብረት ኣታዊ ብዘይ ምግባሩ ኣብቲ ኢንተርፕራይዝ ዝበፅሐ ጉድኣት ብምርኣይ ትካል ብሕጊ ክሓትት ይኽእል።

8. ተወዳዳሪ ኣብ ዝቐርብ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ፊርማን ማህተምን ናይ ምግባር ግቡእ ይህልዎ።

9. ናይ ዕደጋ ትእዛዝ ተዋሂብዎ ንክቕርብ ፍቃደኛ ዘይኾነ ተወዳዳሪ ኣብ ዝኾነ ናይቲ ትካል ናይ ዕደጋ ውድድር ንዘይተወሰነ እዋን ከይሳተፍ ደብዳቤ ይፀሓፈሉ ።

10. እቲ ንብረት ናብ ዋ/ቤ/ፅ ኢ/ስ/መ/ት ምስ ኣተወ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ክፍሊት ክፍፀመሉ ፍቓደኛ ዝኾነ

11. እቲ ኢንተርፕራይዝ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

Tel NO 0344416727