ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወ/ቆ/ተምቤን

ቑፅሪ ል/እ/ም/ፋ/ን/ን ምም/ር/ 7 /2016 

ዕለት 29 /11 /2016 ዓም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ኣብ ቤት ፅሕፈት ል/እምሮ ፋይናንስን ወ/ቆላ ተምቤን ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ኣብ ርእሲ ዋኒኑ ንምግላፅ ከም ዝተፈተነ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምም/ር ፋይናንስ ወ/ቆላ ተምቤን ኣብ ባጀት ዓመት 2017 ዓ/ም ካብ ዝተመደበሉ በጀት ንቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ዘግልግል ናይ ፈርንቸር ስራሕቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ሰለ ዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት እታማልኡ መቕረብቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም።

• ኣብቲ ግልፂ ጨረታ ዝተጠቐሰ ሞዴል/Specification ምስራዝ ኣይካኣልን።

• እቲ ግልፂ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማን ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ክህልዎ ኣለዎ ።

• እዚ ግልፂ ጨረታ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዎ ይኸፈት በቲ ዝተብሃለ እዋንን ቦታን እንድሕር ዘይተረኸቡ ተረትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘይለውሉ ዝኽፈት ምዃኑ።

• ስዓራይ ምዃኑ ምስ ተፈለጠ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ናብ ጣብያ ስምረት ቤት ትምህርቲ ቹንክ ጣብያ ነዊ ቤት ትምህርቲ ነዊን ወቆተምቤን ከቅርብ ዝኽእል ።

• ንሓደ ደኩመንት ዘይምለስ ብር 200 / ክልተ ሚኢቲ ብር / ካብ ከይዲ ስራሕ ልምዓት እቶት ወረዳ ቆላ ተምቤን ሰነድ ብምግዛእ እቲ ጨረታ ሰነድ ብዝግባእ መሊኡ ክወዳደር ዝደሊ

• ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ መገበሪ ጨረታ ዝኸውን ብር 20,000 ብር ብcpo ወይ ብጥረ ገንዘብ - ከትሕዝ ዝኽእል ።

• ሰነድ ዝሽወጠሉ እዋን ካብ ዕለት 29/11/2016 ዓ/ም ክሳብ 13/12/2016 ዓ/ም ሰዓት 11:30 ዝሽወጥ ኮይኑ ሓደ ኮፒን ሓደ ኦርጅናል ነንበይኑ ዓሽጉ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳፁን ምእታው ይከኣል

• እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 14/12 /2016 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 300 ኮይኑ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 14/12/2016 ስዓት 3፡30 ቅድሚ ስዓት ይክፈት። ዝኸፈተሉ ቦታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ወረዳ ቆላ ተምቤን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 39 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለውሉ ይክፈት " ተጫረቲ ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ምክፋት ኣይተኣጓጎልን።

• ስዓራይ ምስ ተፈለጠ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ውዕል ክኣስር ዝኽእል።

• ናይ ግብሪ ከፋልቲ መለለይ ቁፅሪ /ቲን ካርድ / ዘለዎን ናይ መቅረባይነት መረዳእታ ካቐርብ ዝኽእልን ቫት ዝተመዝገበን እዋናዊ ዲክለረሽን መረዳእታ ካቐርብ ዝኽእል።

• ቤት ፅሕፈት ል/እ ምም/ር ፋይናንስን ወቆ/ተምቤን እዚ ግልፂ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙልእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

• ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ወረዳ ቆላ ተምቤን ተወሳኺ ሓበሬታ 0914158967 ወይ 0911733447