ማእኸል ቤት ህንፀትመቐለ

ን2ይ ግዜ ምልክታ ግልፂ ጨረታ

መቐለ ቤት ህንፀት ንሰራሕተኛታትን ንሕጊ ተሃነፅትን ን2017 ዓ/ም ሚኒባስ መኪና ሰርቪስ ነዳዲኡን ዘድሊ ወፃኢኣ ነጋዳይ ሸፊኑ ሰርቪስ ንምሃብ ምስ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ውዕሊ ክኣስር

ይደሊ ፣

ተ.ቁዓይነት ንብረትመለክዒበዝሒናይ ሓደ መዓልቲ ክራይ ዋጋጠቅላላ ዋጋመብርሂ
ብርሳንብርሳን
1ሚኒባስ ደረጃኣ ዝሓለወትቁፅሪ01
2ኣውቶቡስ በዓል 45 ወንበርቁፅሪ01

1) ኣብዚ ጨረታ ዝወዳደሩ ብናይ መጋዓዓዚ /ትራንስፖርት ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ስራሕ ፍቓድን ናይ ግብሪ ከፋላይነት ቲን መፍለይ ቁፅሪ ዘለዎን ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበሉ ዝተሓደሰ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል፣

2) ኣብዚ ጨረታ ዝወዳደሩ ተወዳደርቲ ቫት ተመዝገብቲ ኮይኖም ናይዚ 3' ወርሒ ድክሊር ዝገበረሉ ኮፒ ከተሓሕዙ ኣለዎም ዝመልእዎ ዋጋ ድማ ምስ ቫት ተመሊኡ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ተጫረቲ ንፁር ኣድራሻ ብምጥቃስ ማህተምን ፌርማን ብምግባር ኣብቲ ናይ ቤት ፅሕፈት ሰነድ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ጥራሕ ተመሊኡ ብፖስታ ብምዕሻግ ነዚ ጨረታ እዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳጡን ኣብ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ን ቢሮ ቁፅሪ 6 ከእትው ይኽእሉ ቫት ንከውፅኡ ዘይግደዱ ነጋዶ መረዳእታ ከተሓሕዙ ኣለዎም ፣

3) ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ 10,000 ብር ብሕጋዊ ባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ኣለዎም ፣

4) ጨረታ ሰዓራይ ሰዓራይነቱ ካብ ዝተረጋገፀሉ መዓልቲ ድሕሪ 3' ናይ ጥርዓን መዓልቲ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ መፂኡ ውዕል ክኣስር ኣለዎ በቲ ዝተጠቐሰ መዓልቲ ውዕል እንተዘይ ኣሲሩ ዘትሓዞ መኽበሪ ጨረታ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ተገይሩ እቲ ቢሮ ካሊእ መማረፂ ክወስድ ይኽእል እዩ ተጫራታይ ዝመልኦ ዋጋ ኣብ ዝኾነ እዋን ክልወጥ ኣይክእልን፣

5) ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝገልፅ ካብ ዕለት 24/11/2016 ዓ/ም ክሳብ 05/12/2016 ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ዘይምለስ 100 ብር እናኸፈሉ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 6' ክወስዱ ይኽእሉ እቲ ጨረታ ዕለት 05/12/2016 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረኸብሉ ይኹን ኣብ ዘይተረኸብሉ ይኸፈት፣

6) ድሕሪ ናይ ጨረታ ሳጥን ምዕፃው ዝመፅእ ፖስታ ይኹን ሓሳብ ተቐባልነት የብሉን ብተወሳኺ ንዝወፀ እስፐስፌክሽን ኣማሊኡ ዘይተረኸበ ተወዳዳሪ ካብ ውድድር ውድቂ ከምዝግበር ክፈልጥ ኣለዎ ፣

7) ሰዓሪ ዝኾነ ተወዳዳሪ መኽበሪ ውዕሊ 10,000 ብር ዘትሕዝ ኮይኑ ንዘቕረቦ ግልጋሎት ሰርቪስ ዝኸፈሎ ገንዘብ ልዕሊ 10,000 ብር እንተኾይኑ 2% ዊዝ ሆልድ ታክሲ ይኸፍል፣

8) ናይዚ ጨረታ ኣሸናፊ ዝኾነ ኣካል ብዛዕባ ሰርቪስ ኣወሃህባ ዝምልከት ካብ ውዕሊ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ እቲ መስራቤት መኪና ኣብ ዘድልየሉ እዋን ጥራሕ ዘገልግል ኮይኑ እቲ ዝህቦ ግልጋት ድማ ኣብ መቐለ ከተማ ካብ ንጎሆ ሰዓት 12፡00 ጀሚሩ ክሳብ ምሸት ሰዓት 1፡00 ንሰራሕተኛታት ሰርቪስ ምሃብን ብተወሳኺ ድማ ንተሃነፅቲ ካብ መቐለ ቤት ህንፀት ናብ መቐለ ዝርከባ ቤት ፍርድታትን ሕክምናን ምምልላስ ይኸውን፣

9) ሒሳብ ኣከፋፍላ ዝምልከት ናይ ግልጋሎት ዝተውሃበ ኣብ መጨረሻ ወርሒ ዝክፈል ይኸውን፣

10) መስራቤትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብከፊል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራሕ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

11) ንተወሳኺ ሓበሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ 0942659419 ወይ 0914120805 ምሕታት ይከኣል፣

ማእኸል ቤት ህንፀት መቐለ